Tigray Phoenix -TP
14/07/2026
እምባሕ በል ወዲ ኤረይ🇪🇷🤠
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ሓድሽ ኩናት ዝሃልቁ፡ ዝስንክሉን ብዘይ ደሞዝ ዝለፍዑን መንእሰያት፡ ኣብ መበል 38 ዙርያ ግዱድ ሃገራዊ ባርነት መሪቑ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብቲ ብ11 ሓምለ 2026 ዘካየዶ ስነ ስርዓት ምምራቕ፡ ዘይከም ናይ ዝሓለፉ ዓጀውጀው ዝመልኦ ነዊሕ መደረኡ፡ ሕጽር ዝበለ ቃል ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ክልተ ደቓይቕ መግለጺኡ፡ ኣብ መበል 38 ዙርያ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ መንእሰያት፡ ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑን ውጽኢት ፈተና ብዘየገድስ ክሰርሑ ከምዝኾኑን ብምግላጽ፡ ብተዘዋዋሪ ጻማ ንዘይሕተቶ ባርነት ህግደፍ ክዳለዉ’ዩ ምሕጽንቱኡ ኣቕሪቡ ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ እዋን ምምራቕ ብተመረቕቲ ጉጅለታት ባህልን ህጻናትን ዝቐረበ፡ ፍጹም ፈኸራን ጃህራን ዝተዓብለለ ናይ ኣስታት 2 ሰዓትን ፈረቃን መደባት ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ኣገናዕ ብምባል ተምሳጡ ክገልጽ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ተመረቕቲ ግዱድ ባርነት ህግደፍ ኣብ ጉዕዞኦም ኣበርቲዖም ክሰርሑ’ዩ ምዒዱ ዝርከብ።
ኣብ 1994 ን18 ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ኣገልግሎት ብምቕያር፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ 34 ዓመታት ስሩዕ ትምህርቶም ተሰናኺሎም ኣብ ውትህድርና ዝተቆርኑ ፡ ብዘይ ክፍሊት ጊላታት ክኾኑ ዝተፈርዱ፡ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ዝሃለቑን ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት፡ ንስልጣን ጉጅለ ህግደፍ እምበር ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣይሰርሑን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ኩሎም ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት፡ ነቲ ብተመረቕቲ መበል 38 ዙርያን ካልኦት ተላሃይትን ዝቐረበ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ንኩናት ዝዕድም ደርፍታትን ከምዘሐጎሶ ምግላጹ ድማ ኣብ ኤርትራ ሞትን ስንክልናን እምበር መደባት ልምዓትን ማሕበራዊ ፍትሕን ቀዳምነቱ ከምዘይኮነ ደጊሙ ዘነጽር ኢዩ።
ከምዝዝከር፡ ሰልፊ ብልጽግና ንምሕጓስን ኢትዮጵያ ከይትበታተንን ተባሂሉ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ዝሃለቑን ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ስድራቤቶም ኣይተረድኡን ደበስ ኣይረኸቡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሰልፊ ብልጽግና ክሳብ ዘሎ መስዋእቲ ናይ ኣብ ትግራይ ዝሃለቑ ከምዝይነግር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ኢዩ።
Tigray Phoenix -TP
#ብልፅግና ክልተ መልሓሱ; #ፀረ እዛ ሃገር እዩ☝️
Tigray Phoenix -TP
14/07/2026
ሰበር ዜና❗️
ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ቤትመራ ሓይሊ ጸጥታ መናእሰይ ይገፍፍ ከምዘሎ ተገሊጹ
ሎሚ 07/11/2018 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ጀሚሩ፣ ኣብ ጣብያ በትመራ ፍሉይ ቑሸት ማይ ሽመት፣ ሓይልታት ጸጥታ ንመናእሰይ ብሓይሊ ብምሓዝ ብመኪና ይጽዕኑ ከምዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ከምቲ ሓበሬታ እንተኾይኑ፣ እዚ ኣንጻር መናእሰይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምግፋፍ ስጉምቲ፣ ብኣርሚ 44 ኮር፣ 3 ክፍለ-ሰራዊት (ሓኽፈን) ዝፍጸም ዘሎ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዞም ዕጡቓት ዝፈፀምዎ ተግባር ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዘለዎ ፍፃመ❗️
ኣብ ትግራይ ዕጡቓት ሰላማውያን ሰባት ብጅምላ ኣጥቂዖም ኣለው።
ኣብ ማሕበራዊ ጉዳዮም ውዒሎም ናብ ገዘኦም ይምለሱ ዝነበሩ ወገናት ብዕጡቓት ህወሓት ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝበፀሖም ተገሊፁ።
ህውሓት ብግድኡ መንእሰያት ትግራይ ንብሄራዊ ህልውናን ሉእላውነትን ክሰለፉ እውን ጸዊዑ።
ኣብ ዞባ ደቡብ መብራቕ ከባቢ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ዝተፈፀመ እቲ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ስነ ስርዓት ሕፀ ሽምግልና ዝነበሩ ወገናት ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ወሪድዎም ሕክምናዊ ክትትል ይገብሩ ከምዘለው ዘሐክምዎም ዘለው ወገናት ሓቢሮም ኣለው።
ትማሊ ዘጋጠመ እቲ መጥቃዕቲ እንዳ ኣቦይ በርሀ ተኸለ ስነ ስርዓት ሕፀ ኣብ ጣብያ ዓዲ መስኖ ውዒሎም ምሸት ናብ ዓዲ ቃይሕ ባጃጅ እንትምለሱ እንዮም ተጠቒዖም።
እቶም ዕጡቓት ኣበይ ነይርኹም ኢሎም ሓቲቶምዎም፡ ኣብ ሕፀ ነይሩና ኢሎም ምስመለስሎም ብዘይተወሳኺ ምኽንያት ኣጥቂዖም ዝበሉ እቶም ምንጪታት፤
ፈለማ ንመምህር ከሓሲ በርሀ ዝተብሃለ ኣባል እታ ስድራ ብበትሪን ብእምኒን ኣብ ርእሱን መላእ ሰብነቱን ወቂዖምዎ ወዲቑ ፣ ብምቅፃል ድማ ንኹሎም ኣብኡ ዝነበሩ እንዳ 'ቦይ በርሀ ተኽለ ብጅምላ ቐጥቂጦምዎም ኢሎም።
በቶም ዕጡቓት ዝተጠቕዑ መምህር ከሓሲ በርሀ፤ ሓው እቲ መምህር ድማ ጎይቶተኦም በርሀ ካብ ዝበፀሖ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ ናይ 20 ሽሕ ሃብል ከምኡ እውን 8500 ሚኢቲ ብር ዋጋ ዘለዎ ዓሳብራንዳ ሽርጥን ፣ ብጥረ ገንዘብ 20 ሽሕ ቅርሺ ከምኡ እውን 31 ሽሕ ዋጋ ዘለዎ ሳምሰንግ ስልኪ ከምዝወሰደሉ ሓቢሩ።
ሓለፎም በርሀ ድማ ምስ ወቐዕዎ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ዋጋ ዘለዋ ሰዓት ወሲዶሙሉ ይብል እቲ ሓበሬታ።
ወላዲ እቶም መናእሰይ ዝኾነ ኣይተ በርሀ ተኽለ ድማ ብበትሪን እምኒን ፤ ሓዎም ኣይተ ምችአላይ ተኽለ እውን ብበትሪን እምኒን ተወቂዖም ክብሉ እቶም ፍልፍላት ሓቢሮም።
ከምኡ እውን ኣይተ ሓጎስ ተስፉ፣ ኣይተ ብርሃኑ ዝተብሃለ ነባሪ ዓዲ ቀይሕ ከምኡ እውን ካልኦት ክገላግሉ ዝፈተኑ ነበርቲ በቶም ዕጡቓት ተወቂዖም ኢሎም ነዚ ሓበሬታ ዘካፈሉ ፍልፍላት።
ብሓፈሻ ዕጡቓት ህወሓት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ወጀራት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲት ከምዝፍፅሙን ንብረት ሒዞም ምኻድን ልሙድን እዩ ኢሎም እቶም ምንጪታት ዜና።
Tigray Phoenix -TP
14/07/2026
ሰራዊት #ሱዳን ኣብ ከባቢ #ብቻይና ዝተሰርሓ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዘውደቐ ገሊጹ።
ሰራዊት #ሱዳን ኣብ ከባቢ ሰሜን #ኮርዶፋን ክልል ኣብ ጥቓ ከተማ ኤል ኦበይድ ብቻይና ዝተሰርሐት ምዕብልቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዘውደቐን እዚ ድማ ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ( ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ውግእ ኣብዚ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ ተመሳሳሊ ሞዴል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝሓምሸሸ እዩ ተገሊጹ።
ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ( ) ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምክልኻሉ ኣየር ንኤፍኤች-95 ስትራቴጂካዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኤል ኦበይድ ከምዝዓገተ ገሊጹ። ሰራዊት እታ ሃገር ነታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ናይ ተጻባእቲ ሓይልታት ነፋሪት ክብል እኳ እንተገለፃ፡ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ስርሒት ግን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ብመሰረት ሓበሬታ ሰራዊት ሱዳን፡ እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዘውደቐን FH-95 ድሮን ሳልሰይቲ እያ ነይራ። እቲ ቀዳማይ ብ2 ሓምለ ኣብ #ቴንደልቲ፡ ጻዕዳ ከምዝተዓገተን፡ ካልእ ኣብ ዝቐጸለ ሰሙን ድማ ኣብ #ካርቱምን ዘራኽብ ጽርግያ ከምዝወደቐት እቲ ሰራዊት ሓቢሩ።
FH-95 ብቻይና ዝተነድፈት ማእከላይ ቁመት ዘለዋ፡ ነዊሕ ሰዓታት እትፀንሕ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኮይና፡ ኤሌክትሮኒካዊ ውግእን መጥቃዕትን ክትገብር ትኽእል እያ። ሰራዊት ሱዳን፡ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ኣብ ስትራቴጂካዊ ትሕተ-ቅርጺ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ንነዊሕ ርሕቀት ንዝካየዱ ስርሒታት ከምትውዕል ሓቢሩ።
ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፡ ኣብ ካርቱም፡ ፡ ሰሜን ኮርዶፋን ንዝርከቡ መኽዘናት ነዳዲ፡ መሳለጥያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ከምኡ'ውን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺ ንምዕላም ኣብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምጽጋዕ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል ከሲሱ። እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ከባቢ ኤል ኦበይድ እውን ሓይልታት ከዋህልል ጸኒሑ'ዩ፡ ኣብ ዙርያ እታ ብስትራተጂካዊ መዳይ ኣገዳሲት ከተማ ክህሉ ዝኽእል ምዕባለ ስክፍታታት የበግስ ኣሎ።
ኤል ኦበይድ ንገለ ክፋል ኮርዶፋንን #ዳርፉርን ዘራኽብ ዓቢ ንግዳውን ሰብኣውን መተሓላለፊ ማእከል ኮይና ተገልግል። ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንሰብኣዊ ሓገዛትን ኣገደስቲ ኣቑሑትን ዝኸውን መስመራት ቀረብ ክዕንቅፍ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
Tigray Phoenix -TP
Klik hier om uitgelicht te worden.
Type
Website
Adres
Amsterdam