Kinet Academy
18/01/2026
ሰባት ካብ ስእነት ሓሳብ ንላዕሊ ስርዓት ዘይብሉ ናይ ሓሳብ በዝሒ እዩ ንክጨናነቁን ንከይሰርሑን ዝገብሮም።
ሓቂ ንምንጋር ኤኣይ ፈጠራ ደቂ ሰባት ክትክእ ኣይክእልን።ሓሳባትና ብስርዓት ንምእላይ ግን ብደምቢ ክሕግዘና ይኽእል።
ስዒቡ ብዘሎ ኣግባብ ንኤኣይ ኣብ ኣሰራርሓና ዉሽጢ ኣእቲና ንጠቀመሉ ክንርበሓሉ ኢና።
1️⃣ቅድሚ ትሕዝቶ ምስራሕ ምጅማርና ሰባት ብዛዕባ ዝገጥሞም ዘሎ ፀገም ንምፍላጥ Ai ምጥቃም
2️⃣ሓደ ዓቡዪ ሓሳብ ናብ ዝተፈላለዩ ኣናእሽቲ ትሕዝቶታት ንምቅያር
3️⃣ንመን ፈሊና ክነዉግዕ ከምዘለናን፣እቶም ተኸታተልትና ብዛዕባ ዝግደስሎም ርእስታት ንምፍላጥ።
4️⃣ዛንታ ብዝበለፀ ፎርምላ ንምፍጣር፣ሁክ(Hook)-ታሪኽ(Story)-ተመልከትቲ ስጉምቲ ንክወስዱ ምዕዳም(CTA)
5️⃣ዓለም ለኸ ሓሳባት ንኣከባቢና ብዝጥዕም መንገዲ ንምድላው
ንስኹም ሓሳብ እንተልይኩም
ኤኣይ ድማ ሓሳብኩም ንፅረት ንክህልዮን ንክሰፍሕን ፍጥነት ብዘለዎ ኣግባብ ይሕግዘኩ።
ብዝበለፀ ብዛዕባ ኣጠቃቅማ ኤኣይ ንምፍላጥ ድሌት እንተልይኩም ጥሪ 15 የራኽበና።
ድሉዋት ዲኹም❓
03/01/2026
🎁 ናይ ነጻ ዕድል (GIVEAWAY) - CREATORS ACADEMY!
ሞባይልና ጥራይ ተጠቒምና ፕሮፌሽናል ቪድዮ ክንሰርሕን ኣታዊ ክነእቱን ንደሊ ዲና?
ናይ 6,000 ETB ዋጋ ዘለዎ "Creators Academy" ስልጠና ብነጻ ክትረኽቡ ዘኽእል ዕድል ኣመቻቺናልኩም ኣለና!!
እዚ ዕድል እዚ ንኹልና ማዕረ እዩ!
🎓 ኣብዚ ስልጠና እንታይ ክንመሃር ኢና?
• ✅ ፕሮፌሽናል ሞባይል ኤዲቲንግ (Editing & Motion Graphics)
• ✅ ኣፀሓሕፋ ስክሪፕትን ቀረጻን (Cinematography)
• ✅ ካብ ዩቱብ፣ ቲክቶክን ፌስቡክን ኣታዊ ምእታው (Monetization)
• 📍 100% ONLINE (ካብ ዘለናዮ ኮይና ንመሃሮ)
• 📅 ትምህርቲ ዝጅምረሉ: ታሕሳስ 27
🏆 እቶም ዓወት ዝረኽቡ (PRIZES):
1️⃣ 1ይ ዝወጸ: 100% ነጻ (FREE Scholarship)
2️⃣ 2ይ ዝወጸ: 50% ቅናሽ (3,000 ETB ጥራይ ይኸፍል)
3️⃣ 3ይ ዝወጸ: 25% ቅናሽ (4,500 ETB ጥራይ ይኸፍል)
📝 ከመይ ጌርና ንሳተፍ (RULES):
1. ነዚ ፖስት እዚ ኣብ ኩሉ ሶሻል ሜድያና (Telegram Channel, Facebook, TikTok, Instagram Reel, WhatsApp Status) Share ብተወሳኪ ድማ ትኽክለኛ ናይ ኪነት አካዳሚ አካውንት ታግ ንግበሮ ።
2. ካብ ኩሉ ፕላትፎርማት ዝረኸብናዮ ጠቕላላ ቪው ንቆጽር ኢና።
3. እቲ ዝበዝሐ ቪው ዘምጽአ ሰብ ዓወት ይረክብ።
4. "Share" ከም ዝገበርናሉን ዝረኸብናዮ ቪው ብስክሪንሸት (Screenshot) ናብ ንስደድ። እዚ ውድድር ዕለት 29 ምሸት ሰዓት 12 ክዛዘም እዩ!
19/12/2025
ኣብ ልኾነ ግዜ እዩ ኣብ ሃገረ ኤሜሪካ ወርቂ ዕድና ብቀዉጢ እዩ ዝካየድ ነይሩ እቲ ዘመን ንባዕሉ ዘምን ጎልደን ራሽ እዮም ዝብልዎ ነይሮም።
ኣብቲ ግዜ እዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ናብቲ ወርቂ ኣለዎ ዝተብሃለ ቦታ ኩሉ እንዳኸዱ እዮም ወርቂ ምዉጻእ ዝሰርሑ ነይሮም።
ኣብዚ ዘመን እዚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ወርቂ ኣርዮም እንዳሸጡ ብዙሕ ሃፍቲ ኣዋህሊሎም እዮም።
በቃ ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ወርቂ ብምሻጥ ጥራሕ ሃፍቲ ከጥርዩ ከምዝኽእሉ እይም ዝፈልጡ።
ነገር ግን ኣብቲ ዝነብረ ናይ ጎልደን ራሽ ዘመን ልዕሊ ወርቂ ኣዉጺኦም ዝሸጡ ሰባት እቶም ነቲ ወርቂ ንምዉጻእ ዝሕግዙ ናዉቲታት ዝሸጡ ዝንበሩ ሰባት እዮም ትርፋማታት ነይሮም።
እዚ ብዛዕባ ቢዝንስ ብዙሕ እዩ ዝንገረና
እስቲ ንስኹም ዝተዓዘብኩሞ ነገር ኣብ ኮሜንት ኣፍልጡኒ ኣነ ድማ ጽንሕ ኢለ ዝተዓዘብኩዎን ዝተመሃርኩዎን ነገር ሒዝልኩም ክምለስ እየ።
18/12/2025
ኣነ = ሮስት ፖስት ምግባር ክጅምር ደልየ
መሓዛይ = ንመን
ኣነ = ኣብ ኦንላይን ገንዘብ ንምስራሕ ደልዮም ይጋገዩ ንዘለዉ ሰባት
መሓዛይ = ንምንታይ
ኣነ = ምናልባት ፍሽኽ እንዳበሉ ዝተጋገዩዎ ነገር እንተተረደኦም
መሓዛይ = ሰብ ከይተኹሪ እምበር ፅቡቅ ሓሳብ ዪመስል እስከ ሓንቲ ኣንብበለይ
ኣነ=ሓደ ሰብ ኣሎ ኦንላይን ቢዝነስ ማለት ዘግነኻዮ ሊንክ ምጥዋቅ ዝመስሎ። ሓቂ ንምንጋር ተቲፃረ ነይሩ ንባዕሉ ኣይኮነን ንዘመዱ እዉን ሓዊሱ ስራሕ ከጀምሮም ዝኽእል ገንዘብ እዩ ብስካመራት ተሰሪቁ።ትዝገርም ከ ከም ገለ ኢሉ.....ከም ገለ ኢሉ ሕዚ እዉን ስካም ከምዝተገበረ ኣይኣምንን።
እኳ ድኣስ ሃገር ዝቅይር ቢዝነስ ፕላን ከርቅቅ ዝሓደረ ዪመስል ንጉሆ ተላዒሉ መተባብዒ ጥቅሲ እዪ ዝልጥፍ።
ፈፂምካ ተስፋ ከይትቆርፅ፣Stay Humble፣ቅኑዕ ኩን ገለ ዝብላ ፅሑፋት ካብ ፒንተረስት እንዳዉረደ ቴሌግራም ስቶሪ ክልጥፍ እዩ ዝዉዕል። ግን ከ ብሮ ናቱ ፖዘቲቭ ሙኻን ንባዕሉ ዘይኮነስ ንስካመራት እዩ ገዛ ክራይ ዝኸፍል ዘሎ።
ንዕኡ ምምሃር ዝመስሎ ናይ ሰለስተ ደቂቃ ቪድዮ ምርኣይ እዩ።
ንዕኡ ምስራሕ ዝመስሎ ታፕ ታፕ እዩ።
ንዕኡ ናይ ፋይናንስ ኣማኻሪኡ እቲ ገንዘብ ሒዙ ዘይፈልጥ ወዲ ሰፈሩ እዩ።
ሓዉ ተልዓል፣ንቓሕ፣ ንስኻ ንስካመራት ክተገልግል ዝተመስረትካ ናይ ቻሪቲ ትካል ኣይኮንካን። ንሐዚ ግን
ነቲ ኣዚሩ ዘይሓስብን ፈፂሙ ጥርጣረ ዝብሃል ዘይፈልጥን ዉሽጥኻ ናይ ዕሽነት ሓለቃ ገይርና ሾይምናካ ኣለና። ኣገንዕ ንዓ ዋንጫኻ ዉሰድ።
ናይ እዚ ዋንጫ መዘከርታነቱ ነቲ ሕልምካ፣ተስፋኻ፣ስራሕታትኻ ክድግፍ እንዳተገበኦ ብዘይምርዳእ ንስካመራት ዝሃብካዮ ገንዘብ ዪኹን።
መሓዛይ = እዚኣስ ኣነ ካብ ዝፈርድ ኣነበብቲ ፅሑፋካ ዪንገሩካ
ኣነ = እሞ ንስኹም ከ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣንታይ ዓይነት ሓሳብ ኣለኩም?
12/12/2025
ሎማዕንቲ ፖድካስት እንዳተኸታተልኩ እየ ነዛ ሓሳብ ስሚዐያ ስለዝፎተኩዋ ድማ ከካፍለኩም ወሲነ።
“ሰሚሩልካ ንክትነብሮ ትሓስቦ ዘለኻ ሂወት ሎሚ ክትሰርሖ እንዳተገበአካ ከይሰራሕካዮ ኣብ ዝቐረየ ስራሕ ዉሽጢ እዩ ተሓቢቁ ዘሎ”
እዚ ኩለና እንሰማመዓሉ ግን ኩለና ዘይነተግብሮ ሓቂ ዪመስለኒ።
ምኽንያቱ እቲ ሎሚ ክንገብሮ እንዳኽኣልና ንጽባሕ ነሕድሮ ዘለና ስራሕ እዩ ሂወትና ናይ ምቅያር ተኽእሎ ዘለዎ።
✅እቲ ምቾት ዘይህብ ስራሕ ምስራሕ
✅እቲ ዝኸብደ ስዳሮ ምስዳር
✅እቲ መሀከዪ ነገር ደጋጊምካ ምግባር
ንሱ እዩ
✅ኣብ ሂወትና ዕቤት ንክነምጽእ
✅ሓሳባትና ንጽረት ንክህልዮም
✅ከያዶና ዋጋ ክህልዮ ዝገብር።
እሞ
ክንሰርሖ ዝግበኣና ኩሉ ካብ ምስራሕ ንድሕሪት ከይበልና ሎሚ እንተሰሪሕናዮም እቲ ንብህጎ ሂወት ሕልሚ ሙኻኑ ተሪፉ ጋህዲ ሙኻን ክጅምር እዩ።
‼️ብዝኾነ ታሕሳስ 20 ዝጅምር ንጻ ናይ ድጂታል ቢዝነስ ስልጠና ክህልየና እዩ።
ኣብቲ ስልጠና ናይ ምስታፍ ድሌት ዘልኩም ኩለኹም ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቻነል ጆይን ምግባርኩም ኣረጋግጹ።
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/teddymav14
11/12/2025
ብዙሓት ሰባት "ብኦንላይን ገንዘብ ሰሪሐ" ክብሉ ንሰምዕ ኢና። መብዛሕቲና እዉን ሞኪርናዮ ንኸዉን።
ግን ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ ኣሎ
🛑 ናይ ኦንላይን ስራሕ ካብ ዝጅምሩ ሰባት እቶም 90% (ምኢታዊ) ገና ወርሒ እዉን ከይፀንሑ እዮም ዝወድቁ።
ስለምንታይ? እቲ ዋና ፀገም ብዛዕባ ኦንላይን ቢዝነስ "እኩል ኣፍልጦ" ዘይምህላው እዩ። ሰባት ገንዘብ ይስራሕ እዩ ኢሎም ዘው ኢሎም ይጅምሩ፣ ድሕሪ ክንደይ ምንግልታዕ ድማ ተስፋ ቆሪፆም ይገድፍዎ።
⚠️ ሓደ ነገር ንረዳእ ኣብ ኦንላይን ቢዝነስ ዕዉት ንሙኻን እቲ ምስጢር፦
❌ ግዝያዊ ምልዕዓል ኣይኮነን
❌ "Tap Tap" (ታፕ ታፕ) ጌም ኣይኮነን
❌ ወይ ኣፕሊኬሽን ኣዉሪድካ ምፃዓን ኣይኮነን
እቲ ምስጢር ካልእ እዩ። ንሱ ስኣን ምፍላጥኩም እዩ ድማ ውጽኢት ክተምፅኡ ዘይኽኣልኩም።
✅ ስለዚ፡
እዚ ብዙሓት ፈሊጠሞ ገንዘብ ይሰርሕሉ ዘለዉ "ምስጢር" ካብ ታሕሳስ 20 ክሳብ ታሕሳስ 23 ኣብ ዘለዋ ሰለስተ መዓልቲታት ብነፃ ክነምህረኩም ቴድሮስ ሰይፉ ምስ ኪነት ኣካዳሚ ብምትሕብባር መዓልቲ ቆሪፅና ኣለና።
እቲ ትኽክለኛ መንገዲ ፈሊጥኩም ኣብ ኦንላይን ዘለዉ ናይ ቢዝነስ ዕድላት ንምጥቃም ድሉዋት እንተኾይንኩም ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቻነል Join ገይርኩም ተፀበዩና!
👇👇👇👇👇👇👇👇
https://t.me/teddymav14
ዓማዊልንምንታይ እዩ ፈጠራ (Creativity) ዘይርድኦም
Iced coffee break 🍃 what creative thing are you working on lately?
ብዛዕባ ሶሻል ሚድያ ማርኬቲንግ ክትፈልጥዎ ዝግባእ ሓቂ.
procrastination ብንዘጸገመኩም
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the business
Website
Address
Mekele
Mekelle
7000