Tigray Urban Development Bureau
20/05/2020
ንኣብያተ ማዘጋጃ ግልጋሎት ዝውዕል ስሉጥን ተሓታትነትን ዘለዎ ግልጋሎት ንምርካብ ዘኽእል ሶፍትዌር ይስራሕ ኣሎ።
ብቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ዝምራሕ ምምሕያሽ ግልጋሎት ኣብያተ ማዘጋጃታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ከም ሽረ እንዳሰላሴ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓድግራትን ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማ መቐለ(ክፍለ ከተማ ሰሜን፣ ሓወልትን ሓድነትነ) ኣብዚ በጀት ዓመት 2012ዓ.ም ሪፎርም ኣወሃህባ ግልጋሎት እናታለጠ ፀኒሑ እዩ፤ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ስሉጥ፣ ፅሬቱ ዝሓለወ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መልክዕ ንዜጋታት ግልጋሎት ንምሃብ ዝሕግዝ ኢ- ሰርቪስ ዝብል ሶፍት ዌር ንምትእትታው ስራሕቲ ተወጊኑ ይርከብ።
ከም ኣገላልፃ ኣላናቴክ ዝተብሃለ ትካል እንተኾይኑ እዚ ሶፍት ዌር ዘመናዊ ዝኾነ ስርዓት ኣወሃህባና ከም ሃገር ኢሉ እውን ከም ክልል ክህልወና እንተኾይኑ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ይሕብሩ እሞ፤ ዘለዎ ረብሓ ድማ ኩሎም ምኽንያታት ዝቐርቡ ዝነበሩ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ዝኾኑ ዘትርፍ እዩ። ምክንያቱ እንትገልፁ ድማ፡- ሓደ ዜጋ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ሞባይሉ ተጠቒሙ ዝደለዮ ግልጋሎት ንምርካብ ዘኽእል፣ እትደልዮ ግልጋሎት ብምምራፅ፣ ከማልኦም ዝግበኦም ሕድ ሕድዶክመንት ክተማልእ ይገብር፣ ድሕሪ እዚ ድማ ዝደለዮ ጉዳይ ብዝርዝር ክተመልክት ይዕድመካ፣ እዚ ዘመልከትካዮ ክንደይ ግዘ ከም ዝወስድ ይሕብረልካ፣ ዘድሊ መረዳእታ ብዝግባእ ዘማላኣኻ ምዃንካ ምላሽ መረጋገፂ ክትረክብ ምኽኣልካ፣ ዘመልከትካሉ ዕለት ዘለካ ታራ መበል ክንደይ ከምዘለኻ ጉዳይካ መን ይሰርሖ ከምዘሎ ዝሕብርን ምስተወደአ ኣብ ዘለኻዮ ኮይንካ ክትፈልጥ ከምትኽእል ዝሕግዝ ብምዃኑን ግልፅነትን ተሓታትነትን እውን ንምትእትታው ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ።ምልልስን ወፃኢ ዝቕንስ ብምኽኣሉ። እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ግልጋሎት ኣወሃህባና ንጠንቅታት ሰናይ ምምሕዳር ዝኾኑ ምኽንያታት ዝኣሊ ዓብዪ ተስፋ ተዋሂብዎ ይርከብ። እዚ ቴክኖሎጂ ክጥቀም ዘይካኣለ ዜጋ ድማ ብኣካል ብምቕራብ ዘለካ ጉዳይ በቲ ግልጋሎት ዝህብ ትካል ዝምደብ በዓል ሞያ ኣቢልካ ብምምላእ ክፍፀም ትኽእል።
ብተወሳኺ እዚ ሶፍት ዌር ንኻልኦት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ግልጋሎት ከውዕልኦ ዝኽእላ ምዃኑ ኣብቲ ዝነበረ ሓፂር መደብ ምልላይ ክንፈልጥ ኪኢልና።
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the organization
Telephone
Website
Address
Mekelle
251