My Mekelle
28/12/2025
In response to urgent humanitarian needs, the Tigray Disaster Relief Fund is allocating an initial $20,000 USD for emergency relief to internally displaced persons (IDPs) in Tigray.
This immediate allocation reflects our commitment to stand in solidarity with displaced families and respond where the need is most critical.
An global fundraising campaign will be launched shortly to help expand these efforts and reach more communities in need.
Together, we stand with Tigray. Together, we act.
http://Donorbox.org/4tigray
08/12/2025
ዓዲ ብፈትሊ ወለዶታት ይህነፅ፡ ልደት ልኡል ራእሲ!
——————
ንትግራይ ብዝተፈለየ መንገዲ ከም ዝመርሑ ዝንገረሎም፡ ኣብ መዋእል መንግስትነት ዓድና ናይ መወዳእታ "ልዑልንግስነት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ" ዝኾኑ፡ ሉኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም፡ ቅድሚ 99 ዓመት ከምዚ ዕለት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምውላዶም እዚ ዕለት ኣብ ታሪኽ የዘንቱ።
ብህይወት ጸኒሖም ሎሚ ዕለት ሽምዓ ልደት 99 ዓመቶም ዝውሉዑ ዘለዉ ልዑል ራእሲ መንገሻ ስዩም: ንወለዶታት ዘምህር በዓል ሰፊሕ ዛንታ እዮም። ኣብ ዘበን ሃይለስላሰ ካብ ዝነበሩ ቀለም ቀመስ ቴክኖክራት መሳፍንቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ኣብ ትግራይ ጅማሮታት ልምዓት ዝፈጠሩ በዓል ብሩህ ኣእምሮ ትግራዋይ ምንባሮም ህይወት ታሪኾም ይገልፅ።
ልዑል ራእሲ መንገሻ ኣብ ቀረባ ታሪኽና እኳ እንተሪኢና "እዙይ ናተይ" ብዝብል ቆለ ሊሂቃን ኣምሓራ ተደጋጋሚ ሕቶ ኣብ ዝለዓለሉ መሬት ትግራይ ዝኾነ ምድሪ ወልቃይትን ራያን ናይ ዝመርሕዎ ህዝብን ዓድን ቅኑዕ ምስክርነት ብምሃብ ኣብ ታሪኽ እዛ እትሕመስ ዘላ ሃገር ግደ ምስትኽካል ተረኽ ዝተጻወቱ ኣቦ እዮም።
ቲቢኤስ ቲቪ ንስለ እቲ ግደ ተመኩሮ ህይወት መራሕቲ ኣብ ህንጸት ወለዶታት ዝብል መነጽሩ፡ ልደት እዞም ሓደ እዋን መራሒ ትግራይ ዝነበሩ ልኡል ራእሲ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና መደቡ ብስፍሓት ጠሚትዎ ኣሎ።
ትግራይ፡ ኣብ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ዛንታኣ ብዝተፈለየ ትኹረት ክትጥምቶ ዝግባእ መመሪጽካ ምዝካርን ምኽባርን ዘይኮነስ ካብ ኩሉ ሕሉፍ ግቡእ ትምህርቲ ወሲድካ ሎሚኻ ምምዕርራይ፣ ህልው መድረኽካ ሕቐ ዘለዎ ምግባርን ተስፋ ጽባሕኻ ምስትኽካልን እዩ።
እዚ ድማ ሓለፍነት እሙናት ደቃ እዩ።
ቲቢኤስ
ወርቃዊ
Click here to claim your Sponsored Listing.
Website
Address
Mekelle