MeMi Institute

MeMi Institute

Share

12/08/2024

Trauma bonding :
Trauma Bonding is a complex emotional attachment that forms between a victim and their abuser. It's characterized by a cycle of abuse followed by periods of remorse or affection from the abuser. This pattern can make it incredibly difficult for the victim to leave the relationship.
It's important to note that trauma bonding is not a conscious choice and is often a survival mechanism. If you or someone you know is experiencing an abusive relationship, it's essential to seek help. The reason why we need Paradigm shift is to consciously deal with it!

Send a message to learn more

09/01/2024

In this Episodes we will be discovering the conceptual frameworks, tools and practices that can help us identify our Entrepreneurial Ida. Those of you who have the interest to start your own business, here are the tools that will empower you to find out your dream idea.
idea #
human and social needs #
Philosophic views #
of problems #
Thinking #
dev't #
development frame works #
Tree analysis #
Technologies #
Tends #
#
Development #
Building #

07/01/2024

መተግበርታት ምጥቃምን ሞትን ኣይተርፍን!
=======================================
ብ መጀመርታ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለኹም ኩሉኹም ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት 2016ዓ/ም ብሰላም ኣብፅሓኩም ኣብፀሐና ክንለኩም ንፈቱ።
ካብዚ ብምቕፃል ግን ኣብዚ በዓል ኣብ ትካላትና ንዘለዉ ስራሕቲታት ብውነ ዘቃልሉን ንቲ ሕዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኣዝዩ ፈታኒ ናይ ስነ ቁጠባ ውድቀት ብዝሐሸ መንገዲ ንኽመሓየሽ ዝገብሩን ስራሕቲ "ምትእትታው ስራሕ ዘቃልሉ መተግበርታት(Automation)" ምጥቃም ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ መሰረት ጌሩ ድማ ትካልና ቴክኖሎጂ መደላድልን ርክብን መሚ(MeMi Platform and Communication Technology ) ሕዚ ሓደ ትካላዊ ናይ ሃፍቲታት ምሕደራን ትልምን ዘዘምን ERP ዝበሃል መተግበሪ(Software application)፣ ሓደ ናይ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ናይ ተራድኦ ስራሕተን ዘዘምን ጋዳስ(GADAS) ዝበሃል መተግበሪን ከምኡ ድማ ናይ ጥዕና ትካላት ሙሉእ ስራሕተን ናብ ዘመናዊ ከይዲ ምሕደራ ዝቕይር ኤች-ኤም-ኤስ(HMS) ዝበሃል ካብ ኣናእሽተይ ክሊኒካት ጀሚሩ ክሳብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ክጥቅማሉ ዝኽእላ ብተጋሩን ኣብ ትግራይን ዓለም ለኸ መመዘንታት ዘማልኡ መተግበርታት ኣማዕቢሉ ንተጠቀምቲ ክዕድም ከሎ ዝስመዖ ሓጎስ ወሰን የብሉን።

ሕዚ ኣብ ዘላ ዓለም ካብ እዞም መተግበርታት ምጥቃምን ሞትን ዝተርፍ ዋላ ሓደ የለን እሞ ቀልጢፍና ናብ ትካላትና ብምትእትታው ስራሕትና ነቀላጥፍ ክንብል ንፎቱ!

ደጊምና ርሑሰ በዓል ልደት ክኾነልና ንምነ!

Photos from MeMi Institute's post 03/12/2023

ቀጻሊ ሰንበት ዕለት 30 ሕዳር 2016 ዓ/ም ዘይተርፍ ቆጾሮ!
Miss it not!

Telegram: Contact @memi379 11/08/2023

ስላም ክቡራት ቤተሰብ መሚ ከመይ ቀኒኹኻትኩም? ጾመ ፍልሰታን ቅን ኣሸንዳ 2015 ዓ/ምን ከ ኸመይ ትሕልፍዎ ኣለኹም?

ቅንያትኩም መጻኢኹምን መጻኢ ኩላትናን ንምልዋጥ ዘኽእሉ ልምምዳትን ስራሕትን ብምስራሕ ዶ ወይስ ግዜ ኣብ ዝቐትሉ ጽምዶታት ኣሕሊፍኩምዎ?

ኣባላት መሚ ኣብዚ ሰሙን ኣብ 16ቀበሌ ካብ ዋና ንግዲ ባንኪ ክሳብ ሮማናት፡ ካብ ዋና ንግዲ ባንኪ ክሳብ ኤላዝ ካፌ፡ ካብ ኤላዝ ካፌ ክሳብ ዋና ቤት ፍርዲ ወይ ዶቭ ካፌን ከምኡ ድማ ካብ ዶቭ ካፌ ክሳብ ሮማናት ኣብዘሎ ርቡዕ ኩርናዕ ዉሽጢ ዘላ ንእሽተይ ቦታ እቶም ካብ ምጽናት ዘርኢ ዝተረፈ ትግራዋይ ከሳግሩ ዝግብኦም መናእሰይ፡ ምሁራን፡ ወይ እውን ልሂቃን ትግራይ ዝዘናገዑሉ ዝራኽብሉ ቦታ ምዃኑ ይፍልጥ።

እምበኣር ኣብዚ ዝገበርናዮ ዳህሳስ ክሰርሕን ክፈጥርን ዝግብኦ ጉልበትን ኣእምሮን ኣብ ልዕሊኡ ምጽናት ህላወ ዝፍጽመሉ ዘሎ ቦታ ምዃኑ ዘመላኽቱ
1. ልዕሊ 80 ዝኾና ዲጂታል ቁማር ቤታት(ቤቲንግ ዝበሃል)
2. ልዕሊ 85 ዝኾና ካብ ማእኸል ዓዲ ንቲ ካብ ሞት ዝተረፈ ትውልዲ መደምዘዚ ዝኾን መስተ ዝሽየጠለን እንዳ ኮማሮ
3. ከባቢ 30 ዝኾና ናይ ዝተቐረጸ ናይ ጸዓዱ ናይ ሰብሰራሕ እግሪ ኩዕሶ መጻወቲ ቦታታት(ፕለይ ስቴሽን) ዝበሃላ
4. ኣርባዕተ ዓበይቲ ቢንጎ መጻወቲ ቦታታት ኣለዋ።

ኣብዘን ቦታታት ዝርከብ ክፋል ማሕበረሰብና ድማ ብዕድመ ካብ 17-40 ዓመት ብማእኸላይ ምዃኑ ክትፈልጥ ከለኻ ከብዲ መዓንጣኻ ሕርር ይብል እሞ ደሓር ግን እቲ ምጽናት ዘርኢ ብግብሪ ብብዙሕ ዕጽፊ ሕዚ ዝጅምር ምህላው ትርዳእ።

እቲ ዝገርም ግን ኣብዚ ኸባቢ ዝጠፍእ ግዜ፡ ጉልበት፡ ገንዘብን ትኹረትን ንምቕጻል ድኽነት እቲ እንኮ መሳረሒ ምዃኑ እዩ።

እዚ ንምንታይ ኮይኑ ዝብል ብሱል ሓሳብ ብመሚ ጽባሕ ልክዕ ሰዓት 8፥30 ኣብ ዝጅመር ምደብና ክድህሰስ እዩ።

ስለዝኾነ ትውልድና ካብ ንተደጋጋሚ ዓርሰ ጥፍኣት ዘቃልዑ ወልፍታት ኣውጺእና ተስፋን መጻኢን ክህልዎ ንምግባር እዩ ዓላማና። ስለዚ ሓደ ሓደ መሓዛና ሒዝና ብምምጻእ ናብ ስራሕ ዘእትዩና ምይይጣት ንምግባርን "ኣብ ቀጻሊ ወለዶ እንገብሮ ዘለና ወፍሪ ምጽናት ዘርኢ ንምኹላፍን" ኣብ ኩመል ንራኸብ።

ለውጢ ብቁማርን ስኻርን ዘይኮንስ፡ ጠንኪርካ ብምሕሳብ፡ ብምስራሕን ጥራሕ ምዃኑ ንኣምን እንተኾይንና ናይ መሚ ፕሮግራማት ንዓና ዝኾኑ እዮም!

ንዝበለጸ ሓበሬታ ብ ኣድራሻና
https://t.me/memi379 ተኸታተሉና!

Telegram: Contact @memi379

TikTok · halefomhailu 11/08/2023

TikTok · halefomhailu Check out halefomhailu's video.

Want your school to be the top-listed School/college in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Telephone

Address


Tigray-Ethiopia
Mekelle