Good Morning Tigray
22/03/2023
ሰኣን ነዚ ምፍላጥ ክንደይ ሓዳር ፈሪሱ'ሎ::
1 ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሰብኣይኪ ብዓውታ ኣይትመልስሉ ።ምክንያቱ ዓው ዓው ምባል ምልክት ንዕቀት እዩ እሞ ብህድኣት ድኣ ተዛረብዮ ።
2 ናይ ሰብኣይኪ ድኻም ነዕርኹቱ ንስድራቤትኪ ኣይትዛረቢ ሚስጥረኛ ኩኒ ። ተመሊሱ ከይጎድኣኪ ንዓኺ ሕማቅ ነገር ኣይትዝርኢ ።
3 ቁጥዕቲ ሓያል ሰብ ኣይትኹኒ ልእምቲ ኩኑ ። ጓል ጽባቔኣ ኣብ ትሕትና እዩ ትሕት በል ብፍላይ ንሰብኣይኪ ኣይትዳፈርዮ ።
4 ንሰብኣይኪ ምስ ካልኦት ኣወዳት ኣይተወዳድሪዮ ከምኡ ብምግባርኪ ፍቅሩ ክዝሕል ኣብ ልዕሌኺ ትገብርዮ ኣሎኺ ።
5 ሰብኣይኪ ኣፍቂሩኪ እዩ ተመርዒኪ እሞ ጓል ትገብሮ ነገር ግበሪ ፣ ሓላፍነትኪ ተዋጽኢ።
6 ባዶ ኢዱ ክመጸኪ ከሎ ንገዛ ኣይትውቀስዮ ኣበራትዕዮ ኣብ ስእነቱ ኣለኹልካ በልዮ ብጥቕሚ ኣይኩን ርክብኪ ።
7 ደኪሙ ዘምጽኦ ገንዘብ መጻወቲ ኣይትግበርዮ ሕለይሉ ለባም ኩኒ ምስተን ዓያሹ ኣይትዓሽዊ ንሳተን ገንዘብ ምሓዝ ዘይክእላ ክኾና ስለ ዝክእላ ከምአን ኣይትኹኒ ኣዋህልሊ ።
8 ግብረ ስጋ ክደሊ ከሎ ሓሚመ ደኺመ እናበልኪ ኣይትኽእልዮ ። ሰብኣይ ብከብዱን ብስምዒቱን ጸወታ ኣይፈልጥን እዩ ። ብተደጋጋሚ ትከልእዮ እንተ ኮይንኪ ናብ ካልኦት ኣዋልድ ክኸይድ ኢኪ ማዕጾ ትከፍትሉ ዘለኺ ።
9 ንሰብኣይኪ ኣብ ኣደባባይ ኣይትመልስሉ ። ንሱ ዋላ ተጋግዩ ከምኡ እንተ ገበረ ንስኺ ጓል ስለ ዝኾንኪ ኣብ ልብኺ ምዕቋር ተለማመዲ ። ምኽንያቱ ዓሻ ሰብይቲ ብገዛእ ኢዳ ቤታ ተፍርሶ ስለ ዝብል ከምተን ዓያሹ ኣይትኹኒ ። ለባም ሰበይቲ ንነገራት ኣብ ልባ እያ ትገብሮ ።ምስ ሰብኣያ ክትተሃላለኽ ኣይትነብርን እያ ።
10 ንሰብኣይኪ ኣብ ቅድሚ ደቅኺ ኣይትቋየቕዮ ። ለባም ሰበይቲ ከምዚ ኣይትገብርን እያ ።እቶም ምኽንያት ኣቡኦም ክንዕቅዎ ኢኪ ትዕድምዮም ዘሎኺ እሞ መስተውዓሊት ኩኒ።
ካብ ዘንበብና'ዮ እዩ!!!
ኣብ ቀጻሊ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ ምኽሪ
ሒዝና ክንመጽእ ኢና ኣብዛ ሕሳብና ፎሎ ሸር ብምግባር ኣታባብዑና።
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Alula Street
Mekelle