Redae W. Halefom

Redae W. Halefom

Share

23/02/2026

ብህፁፅ ክእረም ዘለዎ ታሪካዊ ስሕተት!

ሕገ መንግስታዊ ብዘይኮነ መንገዲ ብሓይሊ ዝተመንጠለ ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ብስርዓት ናብ ትግራይ ክምለስ እናተገብኦ ሕዚ እውን ሕገ መንግስታዊ ብዘይኮነ ከይዲ ካብ ትግራይ ክንፀል ምግባር ሕገ መንግስታዊ ቅቡልነት ክህልዎ ኣይኽእልን። ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝቐርብ ናይ መንነት ሕቶ እንተልዩ እቲ ከይዲ እውን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ እዩ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐርብ፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ድማ ሕገ መንግስታዊ ውሳነ ይረክብ። ካብዚ ወፃኢ ዝቐርብ ሕቶ፣ ከይዲ ኮነ ውፅኢት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምህናፅን ምፅናዕን ተግባር ክኸውን ኣይክእልን።

“ህዝቢ ባዕሉ ይወስን” ማለት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ይወስን ማለት እምበር ኣብ ክንድኡ ካልእ ኣካል ይወስነሉ ማለት ኣይኮነን። ፍትሒ ዝረጋገፅ ከዓ ኣብ ፍረ ነገር ጥራሕ ዘይኮነስ ከይዲ ፍትሒ እውን ፍትሓዊ ክኾን እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ። እዚ “ውሳነ” ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ግን መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ፍረ ነገርን ከይድን ሕገ መንግስታዊ ስሕተት ዘለዎ እዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተውስኑ ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ክፍፀም ቀሪቡ ዘሎ ዘይሕገመንግስታዊ ከይድን ውፅኢትን መርሚሩ ነቲ ውሳነ ብትሪ ክነፅጎን መአረምታ ክገብረሉን ይግባእ።

25/10/2025

ሰናይ ናይ ስራሕ ዘበን

ውድብ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ ኣባላት ቤት ምኽርን ስራሕ ፈፃሚትን መሪፁ ኣሎ። ኣብዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ፖለቲካ ትግራይን ከባቢያዊ ኩነተትን ኮይንኻ ምዕብልትን ምዕርይትን ትግራይ ንምግሃድ ናብ ሓላፍነት ምምፃእ ብሓደ ወገን ከቢድ ፀውራ ምሽካም እንትኾን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ትግራይ ኣንፀላልዩዋ ዘሎ ኣመና ከቢድ ኩነታት ኣብ ምፍታሕ እጃምካ ንምፅዋት ዘኽእል ዕድል ምርካብ እውን እዩ። ነዚ ክልተ ብልሒ ዘለዎ ኩነታት ተረዲእኹም ተስፋ ትግራይ ኣብ ምልምላም እጃምኩም ከምእትዋፅኡ ብምእማን ሰናይ ናይ ስራሕ ዘበን ይኹነልኩም ይብል።

ናብ መሪሕነት ዝመፃእኹም ሰባት ባህግን ስግኣትን ትግራይን ህዝባን ብዝግባእ ኣስተውዕልኩም ስግኣታ ንምቕንጣጥን ባህጋ ክውን ንምግባርን ምስ ኩሎም ሕጋውያንን ሰላማውያን ሓይልታት ትግራይ ተሓባብርኩም ከምትሰርሑ እምነተይ እዩ።

ትግራይ ኩሉ ኣስተዋፅኦ ዝገብረላ ኩሉ ከዓ በዘይዝኾነ ዓይነት ሰኸፈትን ምጉናይን ብማዕርነት ዝነብረላ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ንምግባር ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ፍሉይ ቆላሕታ ሂበን ክሰርሓሉ ይግባእ።

18/10/2025

ሰላም

ውድብ ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ኣብ ቀረባ መስራቲ ጉባኤኣ ክተካይድ እያ። እዛ ውድብ ድሕሪ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ናብ መስራቲ ጉባኤ ምብፅሓ ሓደ ፅቡቕ ስዳሮ ንቕድሚት እዩ። ጉባኤኣ ብዝግባእ ብምስላጥ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ትግራይ ከም ሓንቲ ዝሓሸት ኣማራፂት ኮይና ክትቐርብ ትኽእል እያ።

ትግራይ ኩሉ ኣማራፂ ሓሳብ ኣለኒ ዝብል ኣካል ሕጋውን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ብዝደለዮ ኣማራፂ እናተወደበ ሓሳባቱ ዘቕርበላ ናይ እማን ናይ ሓሳብ እንካ ሃባ ንክትኾን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብነፃነት ዝንቀሳቐሳሉን ሓሳበን ናብ ህዝቢ እናቕረባ ህዝቢ ዝደለዮ ብነፃነት ዝሓርየሉን ምዕሩይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ውድብ ስምረት እውን ናይ ባዕላ እጃም ክትፃወት እያ።

ስምረት ሒዛቶ ዝተለዓለት ዕላማ ብዝግባእ ክዕወት እንተድኣኾይኑ እዚ መስራቲ ጉባኤ ነዘን ዝስዕባ ቁምነገራት ትኹረት ገይሩ ክሰርሓለን ይግባእ። ኣመራርሓን ኣባላትን ውድብ ስምረት እውን ኣብዚ መዳይ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምምፃእ ብውነ ከምዝሰርሑ እምነተይ እዩ።

1) ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ ዝሳተፍ ሰብ ዝሕረየሉ ግልፅነት ዝተመልኦ ረቛሒ ሃልይዎ ፤ መን ንምነታይ ይሳተፍ ዝብል በቢብርከ‍ኡ ዘሎ ዝበዝሕ መሪሕነት ዝተረዳድአሉ ክኾን ይግባእ።

2) ኣብ ምልመላ ተሳተፍቲ ኾነ ኣብ ከይዲ እቲ ጉባኤ ዝኾነ ዓይነት ናይ ግልፅነት ምሽርራፍ ምልክት ፍፁም ክህሉ የብሉን። ኩሉ ብግልፅነትን ብዝሓሸ ተሳትፎን ክፍፀም ኣለዎ። ኣብ ዘከራኽሩ ዛዕባታት እኹል ክትዕ ክግበርን ኣብ መወዳእታ ድማ ዛዕባታት ሙሉእ ምትእምማን እናተገበረሎም ዕልባት ክረኽቡን ኣብ ምግባር ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ ዝሓሸ ግደ ክፃወቱ ይግባእ።


3) እዚ መስራቲ ጉባኤ ካብ ዝኾነ ዘይመትከላዊ ምትእስሳር፣ ምትእኽኻብን ምድፍፋእን ነፃ ንክኾን ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን ብውነ ክሰርሓሉ ይግባእ። ኣብዚ መዳይ በቢብርኩ ዘሎ መሪሕነትን ኣባልን ዝሓሸ ቃልሲ ገይሩ እታ ውድባ ካብ ብጉሓቱ ዝሓሸ ሰብ ዝእከበላን ንትግራይ እውን ዝሓሸ ኣማራፂ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ክህልዋን ብኣፅንኦት ክስርሓሉ ኣለዎ።

4) እዚ መስራቲ ጉባኤ ዝዓበየ ብፅሒት መሪሕነት ግድን ንመናእሰይን ምሁራትን ዘረክብ ክኾን ይግባእ። ዝዓበየ ክፋል ነባር ኣመራርሓ ናብ መሪሕነት ከይመፅአ ግን ድማ ምስ ክብሩ ብድሕሪት ኮይኑ ትርጉም ዘለዎ ሓገዝ ዝገብረሉ መስሪሕ ክመዓራረየሉ ኣለዎ።

5) እዚ ጉባኤ ኣብ ፖለቲካዊ ምህዳር ትግራይ መሰረታዊ መንፀፍ ዘንብርን መዋፅኦና ብዝግባእ ዝእንፍትን ክኾን ይግባእ። ናይ ዝኾነ ኣካል ድኽመት ወይ ጥንካረ ዝዝርዝር ዘይኮነስ ነቲ ፕሮግራም መሰረት ብምግባር ናይ ባዕሉ መዋፅኦ ዝእንፍት መስራቲ ጉባኤ ከምዝኾን ተስፋ ይገብር።

04/09/2025

ርሑስ በዓል መውሊድ!!

Photos from Redae W. Halefom's post 31/08/2025

ንታሪኽ ይቀመጥ!!
ህዝቢ ራያ ደጋጊሙ ኣያም በሉ ይብል ኣሎ! ሕዚ እውን ኣያም ምባል እቲ ዝሓሸ ኣማራፂ እዩ።
ኣያምታ እንተጠፊኡ ግን ከምቲ ቅድሚ ሕዚ እውን ብቐፃልነት እናገለፅኩዎ ዝመፃእኹ ሓቢርና እንፅበያ ፅባሕ ከይትህሉ ዝገብር ስኽነትን ምስትውዓልን ዝጎደሎ ተግባር እዩ ክኸውን።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ራያ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ፣ በደልን ምንፃልን ብትሪ ከውግዞ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ግን እንተውሓደ በዘይምቅዋም ዝግለፅ ድጋፍ ኮይኑ ንታሪኽ ክቕመጥ ግድን እዩ።

25/08/2025

ኣብ ክንዲ ንሕሉፍ ጌታታት ምእራም ሎሚ እውን ነቲ ናይ ትማሊ ታሪካዊ ስሕተት ብዘጠናኽር መልክዑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወራር ንምፍፃም ዘኽእል ሙሉእ ምድላው ተዛዚሙ ሓዲስ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ጉዕዞ ነቲ ሓያል ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ዘሎ ሓድነት ትግራይ መሊኡ ክፅንቀቕ ዝገብር ብስለት ዝጎደሎ መንገዲ ዕልምልም ምዃኑ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ከስተብህሎ ይግባእ።

ብምዃኑ ድማ መናእሰይ፣ ምሁራት፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ፖለቲከኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ዲያስፖራን ትግራይ ነዚ ሓላፍነት ዝጎደሎን ፍፁም ምስትውዓል ዝርሓቖን ምንቅስቓስ ብግልፂ ክእርምዎ ኣለዎም።
እንተዘይኮይኑ ግን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ እቲ ምንቅስቓስ እናዘረ ናብ ኩሉ ከምዝባፃሕን ህልውናና እውን ናብ ኣዝዩ ዝኽፍአ ብርኪ ከምዝወርድን ንኩሉ ትግራዋይ ግልፂ ክኾን ይግባእ።

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Culinary Team

Attire

Website

Address


9009 Weatherly Way, Lorton, VA
Mekelle
22079