Tigray Press

Tigray Press

Share

Photos from Tigray Press's post 25/06/2026

" እዛ መዓልቲ እዚኣ ጭቆና ስዒራ ነፃነት ፍትሒ ዘምፀአት መዓልቲ ስለዝኾነት ፍሉይ ይገብራ ።"

ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ እስልምና

እዚ ስፍራ ኣብ እዋን ወራር ኩናት ብከቢድ ብረት ተወቒዑ ዓነዩ እዩ። እዚ ንህዝቢ ትግራይ ክንደየናይ ዘሕዘነን ልቢ ከምዝተንክፍን ጉድኣቱ እውን ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩን ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ገሊፆም።

ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ኣሹራ ኣልነጃሺ ኣብዩኒስኮ ብግዝያውነት ብምምዝጋቡ እዚ ታሪካውን ቅዱስ ቦታ ንምልማዕ ኩሉና ነረባርብ ኢሎም።

እዚ ታሪኻዊ ቅዱስ ቦታ ንሓደ እምነት ጥራሕ ዝግደፍ ከምዘይኮነን መንግስት ትግራይ፣ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፣ ህዝቢ ትግራይ ብዝኸኣሎ ኩሉ ግደኡ ክፃወት ፀዊዖም።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ትሪዙምን ትግራይ ኣቶ ዶሪ ኣስገዶም ብወገኖም ዓሹራ ዝተረፉ መስፈርቲታት ኣማሊኡ ብቐዋምነት ኣብ ዩኒስኮ ንክምዝጋብ በርቲዕኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

Photos from Tigray Press's post 24/06/2026

ብመዓርግ ምክትል ፕረዚደንት ብ/ክ/መ ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ሎሚ 17 ሰነ 2018 ዓም ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ካብ ዝበልዎ፥

* ከተማታት ትግራይ ዳርጋ መብዛሕቲኤን ብፕላን ኣይምራሓን ዘለዋ

* እቲ ዘሎ ፕላን ግዚኡ ዝሓለፎን ዝኣረገን ብምዃኑ ዘመናዊ ናይ ከተማነት ፕላን ዘይብለንን ፕላነን ዘየሐደሳን እየን።

* ብፕላን መስረት ንሓምለዋይ ልምዓት ተባሂሉ ነፃ ዝተገደፈ መሬት ብኪራይ ኣከብቲ ንሰብ ሃፍትን መንበሪን ይሽየጥን ይዕደልን ኣሎ

* ፅሬት ከተማታት ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ከተማታት ትግራይ ፅሬት ዘይብለንን መአከቢ ጉሓፍ ዘይተሰርሐልንን እየን።

* እተን ተሰሪሐን ዝተብሃላ መአከቢ ጉሓፋት እውን እንተሪእና ናይ ኣሰራርሓ ፀገም ዘለወን እየን

* ኣብያተ ማዛጋጃቤታትና ካብቲ ዝተውሃበን ሓላፍነት ወፅየን ናይ ጅምላን ችርቻሮን ሸቐጣት ማእኸል ኮይነን እየን ዘለዋ

* ህዝቢ ማዛጋጃቤታዊ ግልጋሎት ብኣግባቡ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ብሰፊሑ ተቓሊዑ ይርከብ

* ግልጋሎት ብደለልትን ሸቃጦን ስለዝወሃብ ማዛጋጃቤት ናይ ውሕዳትን ኪራይ ኣከብትን መዐንደሪ ኮይነን ኣለዋ።

* ኮንስትራክሽን እውን ብተመሳሳሊ ቅድም ክብል ህወሓት/ኢህወዲግ ናብ ስልጣን ክመፅእ ከሎ ኣብ ጥቕሚ ዝነበረ ዲዛይን ክሳብ ሎሚ እናተጠቐማ እየን ዘለዋ። እዚ ድማ ዘመኑ ዝሓለወ ስነ ህንፃ ንምስራሕ ዘኽእል ዲዛይን ኣይብልናን ማለት እዩ።

* ጨረታ እውን ብተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ኣብ ክንዲ ካብ ሰብ ንኽክእ ነፃ ምግባር ብዝተለመደን ንግዕዝይናን ሌብነትን ብዝተቓለዐን ኣካይዳ ምኻድ

* ወዘተ

★ ስለዚ መስረታዊ ዕላማታትን ሽቶታትን ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ኣብ ሓደጋ ኣሎ። ካብዚ ግልጋሎት ንምርካብ ዝፅበ ህዝብና እውን ኣብ ሰፊሕ ፀገም ኣሎ። ብምዃኑ ድማ እዚ ፍፁም ክቕፅል ስለዘይግባእ ኣብዘን ክልተ ወርሒ እዚኤን ብተግባር ሰሪሕና ንህዝብና ክነርኢ ይግባእ። ነዚ ዘየተግብር ቤት ምኽሪ ይኹን ዝምልከቶ መሓውር እውን ክህሊ የብሉን።

Want your business to be the top-listed Media Company in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Telephone

Website

Address


Mekelle
NO