Tigray Reporter
30/03/2026
25/03/2026
ንመላእ መንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ!
ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ብተደጋጋሚ ብዘካየዶ ተሪር ሰላማዊ ቃልስን ዲፕሎማሲያዊ ድርድርን መንግስቲ ፌደራል መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ትግራይ ብቕልጡፍ ንክልቀቕ ወግዓዊ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ውድብና መሃያ ሰራሕተኛታት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ብቐጥታ ናብ ውልቀ ሒሳብ ባንኪ ንክኣቱ ዘቕረቦ ግብራዊ መፍትሒ ተቐባልነት ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቴክኒካዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ዝወስድ ግዜ ንዕለታዊ ህይወት ሰራሕተኛታት ናብ ሓደጋ ህልውና ከየእትዎ ብምስጋእ እቲ ክፍሊት ብህፁፅ ንክፍፀም ብዘካየድናዮ ዘተ እቲ ውሳነ ክፀድቕ ተገይሩ ኣሎ።
እዚ ብዘተን ልዝብን ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ፀገም ከምዘየለ ዘረጋገፅ ውሳነ ምኻኑ ዝኣምን ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ፡
ኣብ መወዳእታ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ካብ ፍቓድካ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምቁራፅ መሃያ ተወዲብካ ንክትቃለስ ፃውዒትና እናቅረብና ውድብና መሰል ሰራሕተኛታት ብዘላቒ መንገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣሐይሉ ከምዝቕፅል የፍልጥ።
ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)
16 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ
እዚ ሎሚ ብጉዳይ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመኻኒዩ ብሰበ-ህወሓት ዝተዳለወ ሰልፊ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ንርካሽ Political scoring ንምጥቃም ዝተገብረ ድራማ እዩ።
ስትራቴጂክ መራሕትና(😂) ብሰልፊ ተደናጊፁ ሕቶ ዝምልስ መንግስቲ ከም ዘለና፤ ደሞዝ ተኸልኪሎም ንዝተፀገሙ መማህራንን መሳኪን ህፃውንቲ ተምሃሮን፣ ዓበይቲ ባነራትን ጭርሖታትን ኣሸኪሞም ኣብ ሃሩር ፀሓይ እናኣንከራተቱ ኣውዒሎምዎም ኣለው።
ሓደ ዓይነት ስሑት ተግባር ብተደጋጋሚ እናተግበርካ ዝተፈለየ ውፅኢት ምፅባይ Political insanity እዩ። ናይ ሎሚ ሰልፍታትን ሆሆታትን መቐፀልታ ናይቲ ትማሊ ዝፈሸለ ኣካይዳ ምዃኑ ምግንዛብ ኣየፀግምን።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብተደጋጋሚ "መሰል ዓርሰ ውሳነና"፣ "ሕገ-መንግስቲ ይከበር" እናበልና ዘካየድናዮም ዘየቋርፁ ናይ ሰልፊ ሆሆታት፡ ካብቲ ዝወረደና ዘስካሕክሕ ፅንተትን ዕንወትን ከድሕኑና ኣይከኣሉን። ትማሊ ዘየድሓነን ዘየዕቆበን ናይ ዳንኬራ ፖለቲካ፡ ሎሚ እውን ዝቕይሮ ጭቡጥ ሓቂ የለን።
ኣብ ክንዲ ንሓቀኛ ዘተ፣ ልዝብን ፖለቲካዊ ድርድርን ቅሩብ ምዃን፤ ብዕንቅፅና ናይ ምስሉይነት ሰልፍታት ምግባር ፀገም ህዝቢ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ዝፍይዶ የለን። እዚ ብስም ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ነቲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘሎ ርክብ ካብ ምትሕልላኽን ምክራርን ብዝሓለፈ፡ ዘረጋግፆ ረብሓ ኮነ ዘኽብሮ መሰል ፈፂሙ የለን።
ምስ ሓቂ ተሳነዩ !
ህወሓት ምስ ሻዕብያ ብሽም 'ፅምዶ' ጀማሚርዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕጥራን፡ እቲ ሓይሊ ማዕረ ክንደይ 'Politically Naive' ምዃኑ ብግልፂ ዘርኢ እዩ። ንዝኾነ ይኹን ዕላማ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምስ ሻዕብያ ምፅማድ ፖለቲካዊ ዓርሰ-ቅትለት እዩ።
ኣብ ደንበ ፅምዶ ዝነብሑ ኮራኩር ሻዕብያን ህወሓትን፤ ኣብ ኣድላይነት እዚ ፅምዶ ክልተ ምኽንያታት ይጠቕሱ፦
ሓደ ፅምዶ ንዲተረንስ (Deterrence) ምጥቃም ዝብል እዩ፤
ህወሓት ካብ መንግስቲ ፌደራል ክመፅእ ንዝኽእል ሓበራዊ ናይ ህልውና ሓደጋ ብርሑቑ ንምትራፍ (ንዲተረንስ) ጥራሕ ኢሎም ምስ ሻዕብያ ዝፃመዱ ዘለዉ እንተኾይኖም ዓያሹ እዮም። ስለምንታይ? ጭቡጥ ዝኾነ ሓበራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ (Shared Political Goal) ኣብ ዘይብልካ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሻዕብያ መሓዛ መሲልካ ምርኣይ፡ ነቲ ብባዕሉ ብሻዕብያ ሓዊሱ ዝተፈፀመ ገበን ፅንተት ካብ ምንእኣስ ብተወሳኺ፡ ተኣማንነትን ሓቃውነትን እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ገበን ናብ ሕቶ ዘውርድ እዩ።
ምኽንያቱ፡ ትማሊ "ናይ ህልውናይ ሓደጋ እዩ" ዝበልካዮ ሓይሊ፣ ትማሊ by design ኣብ ልዕሊ ብሄርካ ፅንተት ብምፍፃም ዝኸሰስካዮ ሓይሊ፡ ሎሚ ተመሊስካ ብሕታዊ እሙን መሓዛኻን ናይ ብሄራዊ ህልውናኻ ውሕስናን ጌርካ ክተቕርቦ ከለኻ ብጣዕሚ politically odd እዩ።
እቲ ካልኣይ ፅምዶ ን 'Regime Change' ዝብል ዕብዳን፤
እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፅምዶ ካብ ናይ ዲተረንስ ቁማር ፀዋታ ወፃኢ፡ ህወሓት ናይ እማን ምስ ሻዕብያ ፖለቲካውን ወታደራውን ግንባር ፈጢሩ፡ ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት (rebel forces) ኣካኪቡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ እንተኾይኑ፤ እዚ እውን ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ዕሽነት(Myopia)እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ወላ ሓደ ኣንፃር ናይ ብልፅግና መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ሓይሊ ፤ ትግራዋይ ኣብ ወንበር 4-ኪሎ ተሰቒሉ ክርኢ ኣይደልን። ኣብ ህልውና ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ብሄራዊ ረብሓ ዘለወን ናይ ደገ ሓይልታት እውን እንተኾነ ብሰንኪ ፅምዶ ኢትዮጵያ ክትበታተንን ናብ ቅልውላው ክትኣቱን ኣይደልያን እየን።
So... ተሰኺዑልካ እኳ እንድሕር ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቀይርካሲ ኣየናይ ናይ ትግራይ ብሄራዊ ረብሓ ዘኽብር ሓይሊ እዩ ነቲ ማእከል ክቆፃፀር ኣሚንካ ክትሓድጎ ? ፋኖ? 😂
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Aksum