Tigray post
24/03/2026
ምኽልካል መሃያ መምህራን ወለዶ ምቕታል እዩ-ሰልፈኛታት መምህራንን ተምሃሮን
መንግስቲ ፌደራል ዘንበሮ ክልከላ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ስታድየም ባሎኒ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኵነት ካብ ኵለን መንግስታውን ውልቀን ኣብያተ ትምህርቲን ዝመፁ መምህራንን ተምሃሮን ተረኺቦም ኣለዉ፡፡
ኣብቲ ሰልፊ፥ ክልከላ መሃያ መምህራን ጠጠው ይበል፣ መሰል መምህራን ይከበር፣ መምህር እናጠመየ ከምህር ኣይግበኦን፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም፤ ተምሃሮ ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ይመለሱ ዝብሉ ጭርሖታት እናተጨርሑ እዮም።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ ማሕበር መምህራንን ወለዲ ተምሃሮን ብሓባር ብምዃን መሰል መምህራንን ህፃናትን ክኽበር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ እናተኻየደ እዩ።
ተባረክ
እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ!
ዘይዛሪ ሞትን ህልቂትን ተመዛበልቲ ህፁፅ ሰብኣውን ፖለቲካዊን መፍትሒ ዝጠልብ ዛዕባ እዩ።
ድሕሪ ፅንተታዊ ኲናት ተመዛባሊን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ንቡር ንምምላስ ስምምዕነት ዋላ እንተተኸተመ ኣብ ተግባራውነቱ ግን ካብ ተራ ወግዒ ብዝዘለለ ዝተሰርሐ ነገር ዳርጋ የለን።
ብሰንኪ ዘይምፍፃም ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ እቲ ዝኸፍአ ሕሰምን ሞትን ይቕፅል ኣሎ።
ኣብ ወገናትና ይበፅሕ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው
ብኣጋ ንኽግታእ ግደ ኩሎም ደቂ ትግራይ ወሳኒ እጃም ኣለዎ።
➡ዘንፀላለወ ሰብኣዊ ቅልውላው፦
ፅንተታዊ ኲናት ካብ ዝጅመር ንነዘ ፀገም፣ሞት ተመዛበልቲ ወገናትና እናተጋደደ ይመፅእ ኣሎ።
ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓድን ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ትግራይን ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላስሶም እኹል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምህላዉን ብፍላይ ኣብ ኣዴታት፣ህፃናትን ኣረጋውያንን ሞትን ከቢድ ዝብሃል ሰብኣዊ ቅልውላውን እናጋጠመ ይርከብ።
ተመዛበልቲ ብህፁፅ እንተዘይተመሊሶም ምስ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ተደሚሩ ኣብልዕሊ ወገናትና ዘነፃፀረ ሓደጋ ዝኸፍአን ዘይዛሪ ሞትን ከስዕብ ይኽእል እዩ።
➡ ስግኣት ቀፃሊ ምምዝባል፦
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ፀለምቲ ምፍንቓል ወገናትና ይቕፅል ኣሎ።እዚ ምፍንቓል ድማ ኣካል እቲ ጎምፂፅካን ዓሚፅካን ብሓይሊ ዝተትሓዘ ሉኣላውነት ትግራይ ዝግህስ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ነዚ የጋጥም ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ድማ:-
መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይ ውዓል ሕደር ብሙሉእነት ክትግብር ኣለዎ።
መንግስቲ ፌደራል ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ብሰላም ክነብሩ፣ማሕበራዊ ግልጋሎት ክማለአሎም ኮታስ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ክኽበር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ንፅውዕ።
➡ዓርሰ ምርኮሳን ምትእኽኻብ እቶትን፦
ብሕታዊ መዋፃፅኦ ተጋሩ ዘቤታዊ ቁጠባ ምድንፋዕን ዘላቒ ዓርሰ ምርኮሳ ዘለዎ ህዝብን ዓድን ምፍጣር እንትከኣል እዩ።
ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ተመዛበልቲ ንምእላይ ዓሊሙ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ምንቅስቓስ ተወለድትን ፈተውትን ትግራይ ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ወገኖም ኣብ ምድሓን ክረባረቡ ይግባእ።
ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ፀጋ ብምውሳድ ሉኣላውነት ትግራይ ኣብ ምኽባርን ዋኒን ተመዛበልቲ ግንባር ቀደም ጌርካ ኣብ ምስራዕን ኣብ ዝተፈላለየ ሰልፊ ፖለቲካ ዝተሓቖፉ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ሓፋሽ ማሕበራት ኮታስ ኩሉ ተወላድን ፈታውን ትግራይ ጉዳይ ተመዛበልቲ ትግራይ ልዕሊ ፖለቲካዊ ከስቢ ክርእን ንተግባራውነቱ ድማ ብዕቱብ ክሰርሕን ንፅውዕ።
ኒው ሚድያን ዲጂታል ቴክኖሎጂን ብምጥቃም ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ህልዊ ፀገም ተመዛበልቲ ብምውዛዕን ብምቅላሕን ኣብ ተመዛበልቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ቅልውላው ብውሱን ተፈቲሑ እዩ።
ኣብዚ ሰናይ ተግባር ንዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ድማ ልዑል ክብርን ምስጋናን ኣለና።ህዝቢ ዓለም ኣቓልቦኡ ናብ ተመዛበልቲ ከቕንዕ ንዝገበርኩሞ ንጡፍ ተሳትፎ እናነኣድና ሐዚ እውን ብጥንኩር ሓድነት ድምፂ ወገንኩም ክትኮኑን ዝተጀመረ ምትእኽኻብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተጠናኽሩን ፃውዒትና ነቕርብ።
9 መጋቢት 2018 ዓ/ም
ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Telephone
Website
Address
Adigrat