Tigray Media
ፍትሒ_ንቢንያም_ተወልደ!
"ክሳብ ሐዚ ዝቀረበ መረዳእታ ብዘይብሉ ምኽንያት ክእሰር ኣይግባኣንን ናይ ፍትሒ ጥሕሰትውን ኢዩ" ዶክተር ቢኒያም ተወልደ
ንሎሚ ዕለት ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ናይ ዶ/ር ቢንያም ተወልደ ቆፀሮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ ። እቲ ቤት ፍርዲ ፌደራል ንሎሚ ዓቃብ ሕጊ ክሲ ክምስርት ዘኽእል መረዳእታ እንተደኣ ሃልይዎ ክሲ ንኽምስርት ነይሩ ተለዋጢ ቆፀሮ ዝተዋህበ ። ይኹን እምበር እቲ ዓቃብ ሕጊ ንዶ/ር ቢንያም ከኽስሶ ዘኽእል መረዳእታ ካብ መርመርቲ ስለዘይቀረበለይ ክሲ ክምስርት ኣይክእልን ኢሉ።
ድሕሪ እዚ መርማሪ ፖሊስ ኦዲት ሪፖርት ስለዘይመፀኒ ተወሳኺ ቆፀሮ ክወሃበኒ ብምባል ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ። ዶ/ር ቢንያም ተወልደ ነቲ ቤት ፍርዲ ዳኛ ብዘቐረቦ ቅሬታ ድማ "ኣነ ክሳብ ሕዚ ዝቀረበ መረዳእታ ብዘይብሉ ምኽንያት ክእሰር ኣይግባኣንን ናይ ፍትሒ ጥሕሰትውን ኢዩ ከእስረኒን ከጠርጥረኒን ዝኽእል መረዳእታ ከይተረኸበ ክሳብ ሕዚ ክእሰር ኣይግበአንን እዩ ቤት ፍርዲ እውን ነዚ ብምግንዛብ ነፃ ከሰናብተኒ ይሓትት " ኢሉ ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ግን ኦዲት መግበሪ 5 መዓልቲ ከምኡ ድማ ክሲ መመስረቲ 10 መዓልቲ ብምባል ተወሳኺ ቆፀሮ ንነሓሰ 15 ሰዓት 8:00 ተለዋጢ ቆፀሮ ሒዙ፡፡
ንጉዳይ ዶ/ር ቢንያም ተወልደ ካብ ዝኸታተሉ ወገናት ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቶም ዳኛታት እቲ ምድብ መጋባእያ ቢንያም ምንም ዘጠርጥር ኣብዘይብሉ ተኣሲሩ ከምዘሎ ስለዝፈልጡ ገፆም ንኸይረኣዩ ክሳብ ሎሚ 6 ሰብ ጥራይ ኣብ እትሕዝ ክፍሊ (office ) የካይድዎ ከምዘለዉን እቲ መጋባእያ ብግልፂ ናይ ምክትታል መሰሎም እንተጠየቁ እውን ብመኽበርቲ ሕጊ ከምዝተኸልከሉ ንምፍላጥ ክኢልና።
06/08/2018
ንኣዴታት ትግራይ ክንደይ
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Addis Ababa
Addis Ababa