JDI Technology Group
07/01/2023
Christmas to all Christians
09/06/2020
መልሲ ንርኢቶታትኩም : ናብ ኩሉ ንኽባፃሕ share ብምግባር ይተሓበበሩና።
==============
ሰላምን ጥዕናን ንዓኹም ይኹን ክቡራት✍️
ብዝሓለፈ ኣብ ስራሕቲ ሚድያ ዓወት ወዳጅ ዝተለቐቐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (video)፣ ኣብ ፌስቡክ ብጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ኣብ ዝተፅሓፈን ኣብ ካልኦትን ዝተውሃቡ ርኢቶታት እናንበብና ነይርና።ብመጀመርያ ንኹሉኹም ተገዲስኩም ሃናፃይ ርኢቶኹምን ድጋፍኩምን ንዝለገስኩምልና ምስጋናና ወሰን የብሉን፡ የቐንየልና ክንብል ንፈቱ።
ከምቲ ዝተረዳእናዮ ብዙሕ ሰብ እቲ ስራሕና online መረፃ ንምክያድ ዝሓሰቦ ይመስል። ንሱ ኣብ ትልምና ኣሎ። ንሐዚ ግን ምስ'ቲ ዘለና ዓቕምን ሕብረተሰብና ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ኣፍልጦን፡ በቲ ሓደ ወገን ናይ ባዕልና (ትግራይ) ቴሌኮም ከይወነና እሞ ድማ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣሚንካ ኦንላይን መረፃ ምክያድ ዘይሕሰብ እዩ። ንቐፃሊ ግን ምስ ህዝብናን መንግስትናን ተሓጋጊዝና ዘይንሰርሐሉ ምኽንያት ኣይህሉን።
ነዚ እውን እዩ "ብሕብረት ንኽእሎ ኢና (Together, we can)" ዝብል ጭርሖ ሒዝና ንንቀሳቐስ ዘለና።
👉ንሎሚ ግን፡ ምስ ኩሉ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ንኹሉ ከካትት ዝኽእል መማረፅታት ዝሓዘ ቴክኖሎጂ ኢና ሒዝና ቀሪብና ዘለና። እዚ ቴክኖሎጂ ብዋናነት ምስቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ኮሮና ምክልኻል ሕግታት ዝሰማማዕ፣ መራጺ ህዝቢ ምዕቡላት ተንቅሳቐስቲ ስልኪ (Smart Phones) ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፣ ቴሌ ኔትዎርክ ይዕፀዎ ይኽፈቶ ብዘየጨንቕ መልክዑ፥ መበል ክንደይ ከም ዘሎን ሰዓት ክንደይ ክመርፅ ከምዘለዎን ኣቐዲሙ ፈሊጡ ዝፀንሐሉን ዝከታተለሉን መስርሕ (ስርዓት) እዩ።
✍️🍒ንተወሳኺ መብራህርሂ ሓሙስ ምሸት ኣብ መደብ ላዛ ተሃድሶ ይፀበዩና።
👉 እናተጠንቀቕና ክንመርፅ ኢና፡ እናሰራሕና ክንስለፍ ኢና።
ሐዚ እውን መንግስትና ድልው እንተኾይኑ፡ ብሰንኪ ኮሮና መረፃ ኣይተርፍን፡ ዝመርሐና ክንመርፅ ኢና። 😎
።
Together, we can!
JDI Technology PLC
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the business
Telephone
Website
Address
Addis Ababa