Smart Hum

Smart Hum

Del

Photos from Smart Hum's post 28/03/2026

ማሕበር ልምዓት እገላ 🙏

06/03/2026

04/03/2026

🛑 ኣብ ፌስቡክ ክተመዓራርዮም ዘለካ ሴቲንግታት (Settings)

👉 Location (ቦታ)፦ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለኻ ንከይፈልጥ፡ ኣብ ቴሌፎንካ Settings > Apps > Facebook > Permissions > Location ዝብል ኣቲኻ "Don't Allow" (ኣይፍቀድ) ግበሮ።
👉Profile Recommendation፦ ኣብ Professional Dashboard ኣቲኻ 'Profile Recommendation' ዝብል ርአ፤ እቲ ገፅካ ንሰባት ንክመሓላለፍ (Recommendable) ፅሩይ ምዃኑ ኣረጋግጽ።
👉 Payout Account (ናይ ክፍሊት ሓበሬታ)፦ ሞኒታይዜሽን (Monetization) ክትመልእ ከለኻ፡ ሃገር (Country) ዝብል ዘሎ "በቲ ኣብ ደገ ዝነብር ዓርከሰኻ ዘለዎ ሃገር" ግበሮ። ልኣብነት ናይቲ ኣሜሪካ ዘሎ ዓርካ ናይ ባንክን ናይ ታክስን (Tax ID) ሓበሬታ ተጠቐም።
👉 Tagging (ታግ ምግባር)፦ ሰባት ዝኾነ ነገር ታግ (Tag) ምስ ዝገብሩካ፡ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ኣብ ፕሮፋይልካ ንከይወጽእ Settings ኣቲኻ 'Reviewing' ዝብል ኣተዓራሪ።

🛑 ክትጥቀመሎም ዘይግበኣካ ነገራት (Copyright & Guidelines)
👉ናይ ሰብ ቪድዮ (Unoriginal Content)፦ ካልእ ሰብ ዝሰርሖ ቪድዮ ብዘይ ዝኾነ ለውጢ ዳግም ምፅዓን (Re-upload) ኣይፍቀድን፤ ገጽካ ሞኒታይዝ ንከይኸውን ይዓግቶ እዩ።
👉 ናይ ካልእ ኣፕ ምልክት (Watermarks)፦ ካብ ቲክቶክ (TikTok) ዘውረድካዮ ቪድዮ ምልክት ወይ ስም ቲክቶክ እናሃለዎ ኣብ ፌስቡክ ምጽዓን ቪድዮኻ ንከይርአ ይገብሮ።
👉ሙዚቃ፦ ናይ ታዋቂ ዘፈንቲ ሙዚቃ ኣይትጠቐም፤ ኣብ ክንድኡ ካብቲ ፌስቡክ ባዕሉ ዘቕርቦ "Sound Collection" ዝብል ሙዚቃታት ምረጽ።ወይ ድማ copyright ዘይብሎም ሓፀርቲ ሙዚቃታት ካብ ቲክቶክ ኣውሪድኻ ተጠቐም።
👉 ዝተዛበዐ ሓበሬታ (Misinformation) ናይ ሓሶት ዜናታትን ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታትን ምልጣፍ ገጽካ ንክዕጸው ወይ ንክእገድ ይገብር።ብፍላይ እቶም ተኸታተልትኻ report እንተጌሮምልኻ ሓደጋ እዩ።

🛑 ንኽትዕወት ዝሕግዙኻ ነጥብታት
👉ናይ ባዕልካ ድምጺ (Voiceover)፦ ቪድዮታት ክትሰርሕ ከለኻ ብናይ ባዕልካ ድምጺ ክትገልጾም ወይ ድማ ብ CapCut ጽቡቕ ጌርካ ክተመዓራርዮም (Edit ክትገብሮም) ኣለካ.
👉ቀጻልነት፦ ቪድዮታት ኣብ ሰሙን 3-4 ግዘ ብቐጻልነት ምጽዓን ንዕቤት ገጽካ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።

ሰላም ግዜ ✋

Vil du plassere din virksomhed på toppen av Mediafirma-listen i Aarhus?
Klik her for at gøre krav på din sponsorerede post.

Internet side

Adresse


Aarhus