IPN World

IPN World

Share

04/23/2026
04/23/2026

💔😭

04/23/2026

ይሰማ

04/23/2026

ካብዚአን መን 'ዩ እቲ ዝዓበየ ክብደት ዝተሸከመ🤔

Photos from IPN World's post 04/23/2026

ብጹዕ ኣቡነ ኣብራም ንዝቖሰሉ መነኮሳት በጺሖም !!

{IPN World — ሚያዝያ 15/2018 ዓ/ም–ኣ.ግእዝ — መቐለ}

ሜትሮፖሊታን ፋዩምን ሓላፊ ገዳማትን ዝኾኑ ብጹዕ ኣቡነ ኣብራም፡ ትማሊ ንግሆ ኣብ ከባቢ ተራራ ኤል-ናቅሉን ናብ ዝርከብ ገዳም ቅዱስ ገብርኤል ብምኻድ ምስ ኣቦታትን መነኮሳትን እቲ ገዳም ተራኺቦምም።

ብጹዕነቶም ኣብቲ እዋን ምስቶም ኣቦታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ገዳም ዝቖሰሉን ጉድኣት ዝበጽሖምን ኣባ ዶማይዮስ ኤል-ናቅሉኒ ዝተባህሉ መነኮስ ዘለዉሉ ኩነታት ጥዕና ኣረጋጊጾም። ብጹዕነቶም ነቶም ኣብቲ ገዳሞም ናይ ምፍራስ ስጉምቲ እዋን መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ኣቦታት ብምጽንናዕ መንፈሳዊ ደገፎም ገሊጾምሎም ኣለዉ።

እግዚአብሔር ንኣቦና ምሕረቱን ጥዕናኡን ይሃበልና! 🙏

ፍልፍል፦ Coptic Church News

04/22/2026

መርድእ !

ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጠረ መርድእ ክነግረኩም::

I) መራሕቲ ህወሓት ኣብ ናይ ስልጣን ዝተደርበየ ዓፅሚ መን ግሃፀ ግጥም እንከለዉ :

II) ዝዋፈርዎም ምልሻ ሚዲያ (ኣርሚ ተዓሪፋ) ድማ : ኩስቶ ቀምሽ ፀቢብዋ : ገብረሃዋርያ ኣብ ሓንቲ ሰሙን 20 ቆልዑ ካብ ብዙሓት ኣንስቲ ጫጪሑ : እምበይተይ ተበርህ ምዝራብ ዘይኽእል ኣፉ ለኻት ቆልዓ ኣብ 75 ዓመተን ወሊደን ኣብ ዝብል ሕሜት ናይ ቡን ዘረባ ኣብ ታኒካ ዩትዩብ እናቕረቡ እንከለዉ :

III) ዳያስፖራ ነዚ ህወሓት ኣቀናቢራ እትፍንዎ ናይ house wives ወግዒ : ቡን ሰኽቲቱ ኮፍ ኢሉ እናሰመዐ :

እቲ መርድእ?

1. ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ ትግራይ ጄኖሳይድ ኣጊድዎ ዝነበረ ገንዘብ 140 ሚልዮን ዩሮ ንመንግስቲ ብልፅግና ለቒቕሉ ኣሎ::

2. ኣብ ኣሜሪካ ዝቐነዩ መራሕቲ ብልፅግና : ንቢሾፍቱ ኤርፖርት መስርሒ ዘድልዮም ገንዘብ ተዋሂብዎም : ኢንቨስትመንት ኩባንያታት ኣሜሪካ ረኺቦም : ምስ ቦይንግ ውዕሊ ዕድጊት ነፈርቲ ተፈራሪሞም ዶላራት ግሒጦም ከይዶም ኣለዉ::

3. እቲ ዝዓበየ መርድእ ድማ : ብሰፍ ዘይብል ተጋድሎ ዳያስፖራ ትግራይ : ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ምስ ብልፅግና ጠጠው ኣቢለንኦ ዝነበራ: ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ናብ ንቡር መሊሰን ኣቐፂለን ኣለዋ::

Alula solomon

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Chicago?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Address

Chicago, IL