Horn Headlines

Horn Headlines

Share

05/06/2026

''ኣብ መቐለ ሓመድ ድበ''

ቕድሚ 28 ዓመት ነፈርቲ ሻዕብያ ዓይደር ምስደብደባ ነበርቲ ኣስመራ ሓጎሶም እንትገልፁ፡

30/05/2026

ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊን ጉንቦት 20ን!

28/05/2026

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሑዎ ፅሑፍ፥
------------------------------------------------------------------

ይኾኖ፥ ክሳብ መዓዝ ንብዓት፣ ክሳብ መዓዝ ኲናት፥ ብርሰት ንውሑዳት!
ትግራይን፥ ወረጃ ህዝቢ፣ ስልጣነ፣ ዕሙቕ እምነት፣ ውሕሉል ባህልን ታሪኽን ዝወነነ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሕመቕን ስንኩል አተሓሳስባ መራሕቱን ክወድቕ ምፍቃድ ዘበን ተሳጋሪ ነስሓ ዘይመልሶ ሕመቕ እዩ።
ብልዕልና ሓሳብ ዝኣምን ህዝቢ ናብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ዝገበረ መን እዩ? ቀንዲ ሳዕቤንን ተሓታትን እዚ ውድቀት መን እዩ? ንምንታይ ከ ኣብዚ ብርኪ እንክበፅሕ ገልየና ደጊፍና፥ ገልየና እውን ስቕታ መሪፅና? ክሳብ መዓዝ ከ ኢና ውሑዳት ክሑምዙቑ ፀግዒ ሒዝና ክንዕዘብ ክንፈቅድ? ይኾኖ፥ በቃ ክንብል ግድን እዩ።
ኣብ መልሲ (Root cause) ናይዞም ልዕል ክብል ከምአብነት ዝቐረቡ መሰረታዊ ሕቶታት ምርድዳእ ዘይፈጠረ ማሕበረሰብ፥ ብፍላይ ሙሁር፣ ልሂቅ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን፣ ካብ ጀማሪ ክሳብ በዓል ልምዲ ፓለቲከኛን እንትህሉ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ምፅዳፍና ግሁድ እዩ።
ስለዝኾነ-እውን፥ ኣብ ዓብላላይ ኣንፈት ቀያሪ መሰረተ-ሓሳብ ምውዓል ገዲፍና፣ ኣብ በታኒ ኣተሓሳስባን ብሽሽቕ ዝመስል ትሑት ኣካይዳን ፍረጃን እንትንውዕል ፀገም ህዝብና ዝገደደ የባርዖ፤ ህዝብና ክብተን ንፈቅድ፣ ማንታ ንብዓት ኣዶ ንለማመዶ፤ ደው ኢልና ንሕሰብ። ቅድም-ቀዳድም ኣብ ዝወሃቦ ኣጀንዳ ነድህብ፣ ንዕሰል፣ ንለውጢ ንልዓል።
ኣብ ዓድና ትግራይ ዘሎ ኹነታት ነቲ ልዕል ኢሉ ንምጥቃስ ዝተፈተነ መንገዲ ጥፍኣት ዝፀርጉ ዘለው ውሑዳት ውልቀ-ሰባት፤ ብኣንፃሩ እምባ ክደፍእን መልክኣ-ምድሪ ክልውጥ ዝኽእል ዓቕሚ ዝተሓንገጠ ድማ ብዙሕ ግን ክጠፍእ እግሪ-እግሪ ኣጥፉእቱ ምስዓቡ፣ መርኣያ እኩብን ዝተዋደደን ዓቕሚ ዘይምፍጣርና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ውሑዳት ጉጅለ ብርሰት ጥፍኣትና፣ ብርሰትና የፉጥንዎ ኣለዉ፤ ይኾኖ በል መንእሰይ ትግራይ፤ ይኣክል በሊ ኣደ ትግራይ፤ ካብ ሕሉፍ ንመሃር በል ዕጡቕ መንእሰይ። “ሕልመይ እባ ክነብር ፍቐዱለይ” በል ዕሸል ትግራይ።
ምስዚ ሓሳብ ዝኸይድ ሙዑዝ ዝበሃል ትግራዋይ ሙሁር “ብዓውታ ብሃማት ብስቐታ ለባማትን” ዝብል ፅሑፍ ኣንቢበ ነይረ፤ ደጋጊመ ንዓርሰይ ሓቲተ! ንምንታይ ስቕታ፣ ክሳብ መዓዝ ዋይታ፣ ክሳብ ክንደይ ኲናትን ብርሰትን ኢለ ደጋጊመ ሓቲተ።
ሐዚ እውን ሙዑዝ ከምዝበሎ፥ ለባማት ኢሉ ዝገለፆም ኣካላት፣ ካብዚ ንላዕሊ ስቕታ ተንኣሰ ተሓታትነት ሕልና ኣለዎ እዩ እሞ፣ ስቕታኹም ይኣክል። ኣብ መፃኢት ትግራይን ኣዶ ትግራይን ደው ኢልኩም ሕሰቡ፤ ስቕታ እውን ኣካል እቲ ጥፍኣት ምዃን እዩ። ንኣርሞ፣ ብርሃን ፅባሕ ትግራይ ነዐሪ።
ትግራይ ንሰነፋትን ሕልና ኣልቦ ንዝኾኑ ኣካላት ኣይንግደፋ !
ስቕታ ይኣክል !
ከይበረስና ንንቃሕ !
ከይጠፋእና ንለዓል !
ከይዘንጋዕና ንቕደም!
ምስ ሓቅን ኩውንነትን ንተዓረቅ!
ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰይና ካብ ሞት ነድሕን !!
ኣጀንዳ ህዝብና ነቐድም፤ ንህዝብና ክንብል ንባዕልና ነሸንፍ !!

28/05/2026

ግንቦት 20
ፋና ሰላምን ማዕርነትን!

እንኳዕ ኣብፀሐኩም!

01/02/2026

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሓራ መሬትን ሓይልታት ሰራዊት ትግራይን ብዝተፈጠረ ኲናት ነባሪ ህዝቢ ሰንዓለ፣ ጎንካን ሰበበራን ይፈናቐል ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት።

Feb 1 2026
Horn Headlines

31/01/2026

ኣብ መዳቡውቲ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘለዉ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ኲናት ከምርሑ ስለዝኽእሉ ኣብዚ ተፃብኦ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ነዚ ፀገም ካብ ዘጋድዱ ተግባራቶም ክቑጠቡን ኣፈላላያት ብሕጊ መሰረት ክፈትሑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ሙሉእ መግለፂ እቲ ኮሚሽን፥👇

በትግራይ፣ አማራ እና አፋር ክልሎች አንዳንድ አዋሳኝ አካባቢዎች ከግጭትና ወታደራዊ እንቅስቃሴዎች ጋር በተያያዘ ያጋጠሙ የሰብአዊ መብቶች ሥጋቶችን በተመለከተ
በግጭቱ ተሳታፊ የሆኑ ሁሉም አካላት ችግሩን ከሚያባብሱ ድርጊቶች እንዲቆጠቡ እና ልዩነቶችን በሕግ መሠረት በምክክርና በመግባባት ለመፍታት እንዲሠሩ ኢሰመኮ ያሳስባል . .
የኢትዮጵያ ሰብአዊ መብቶች ኮሚሽን (ኢሰመኮ) ከጥር 17 ቀን 2018 ዓ.ም. ጀምሮ በትግራይ፣ አማራ እና አፋር ክልሎች አንዳንድ አዋሳኝ አካባቢዎች ከተቀሰቀሰው ግጭት ጋር በተያያዘ የሰብአዊ መብቶች ሁኔታን እየተከታተለ ይገኛል። በዚህም ይህ መግለጫ ይፋ እስከተደረገበት ጊዜ ድረስ በተለይም በጸለምት/ጠለምት፣ በመጋሌ እና አብአላ አካባቢዎች የተከሰቱ ግጭቶችን ተከትሎ የሰዎችን የሕይወት፣ የአካል ደኅንነት፣ ነጻነት እና ንብረት መብቶች ሥጋት ላይ የሚጥሉ ሁኔታዎች መፈጠራቸውን መረዳት ችሏል፡፡

በእነዚህ አካባቢዎች የተቀሰቀሰውን ግጭት እና ወታደራዊ እንቅስቃሴ ተከትሎ ወደ ጦርነት ሊሸጋገር ይችላል የሚል ሥጋት በመፈጠሩ ሳቢያ ነዋሪዎች ‘በኮማንድ ፖስት’ ሲተዳደሩ ከቆዩት አላማጣ ከተማ እና ሌሎች አካባቢዎች የተፈናቀሉ መሆኑን እንዲሁም በሰዎች እንቅስቃሴ ላይ ገደቦች መጣላቸውን ኢሰመኮ ተገንዝቧል፡፡

ይህ ግጭት የፕሪቶሪያ የሰላም ስምምነትን ተከትሎ በአካባቢዎቹ ሰፍኖ የነበረውን አንጻራዊ ሰላም እና መረጋጋት ወደ ኋላ የሚመልስ የአካባቢዎቹን ነዋሪዎች ለተጨማሪ ጉዳት፣ መፈናቀል እና ሌሎች ከፍተኛ የሰብአዊ መብቶች ጥሰቶች የሚያጋልጥ ነው።

በመሆኑም በግጭቱ ተሳታፊ የሆኑ ሁሉም አካላት ችግሩን ከሚያባብሱ ድርጊቶች እንዲቆጠቡ፣ በሲቪል ሰዎች እና መሠረተ ልማቶች ላይ ጥቃቶችን ከማድረስ እንዲታቀቡ እንዲሁም ለግጭት መነሻ የሆኑ ልዩነቶችን በሕግ መሠረት በምክክርና በመግባባት ለመፍታት በቁርጠኝነት እንዲሠሩ ኢሰመኮ ያሳስባል። ማናቸውም እርምጃዎች የሰብአዊ መብቶች መርሖችን ያከበሩ በተለይም በሰብአዊ መብቶች ላይ የሚጣሉ ገደቦች በዓለም አቀፍና ብሔራዊ የሰብአዊ መብቶች ማዕቀፎች መሠረት የሕጋዊነት፣ የጥብቅ አስፈላጊነት እና የተመጣጣኝነት መርሖችን ያከበሩ መሆናቸውን ማረጋገጥ ይገባል። ኢሰመኮ ከመደበኛው የሰብአዊ መብቶች ክትትል እና ምርመራ ሥራው ጎን ለጎን ጉዳዩ የሚመለከታቸውን አካላት በማነጋገር የተፈጠረው ግጭት በውይይት የሚፈታበትን ሁኔታ ለማመቻቸት ጥረት እንደሚያደርግ ይገልጻል።

31/01/2026

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዘድሃበ መብርሂ ክህቡ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዝህብዎም መብርሃታት ክነስዕብ ኢና።

31/01/2026

"ይትረፍ ክጋደል፣ ካብ መቐለ ወፂአ ሰሙን ክፀንሕ ኣይክእልን ነይረ"

ኣብ ሂወተይ ዋላ ን ሓንቲ ሰኮንድ ተጋዳላይ ክኸውን እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ኣይኮነን ክጋደል ካብ መቐለ ወፂአ ሰመን ክፀንሕ ኣይክእልን ነይረ።

ብዙሕ ግዘ ንሰሙን ናብ ዝተወለድኩሉ እኸይድ እሞ፤ ኣብ 3ይ ለይቲ እየ ነብሰይ ኣብ መቐለ ዝረኽባ። ምንባር ብጣዕሚ ዝፎቱ ሰብ እየ ነይረ። ሂወት ግን ምሽጥር እያ። ዕድመ ነያታትና፣ሓደ ማዓልቲ ነብሰይ ኣብ ሓደ ቤት ት/ቲ ቸንዳ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ተነፂፋ ረኺበያ። ግርም ይብለኒ ነይሩ።

ሂወት ክንድዚ ተዓፃፃፊት ድያ፤ ናብዚ ሂወት ክወርድ ይግብአኒ ነይሩ ድዩ? እንታይ ክንዲ ዘጥፋእኹ? ክንዲ ጠንኪረ ዝተማሃርኩ? ከም ሃገረይ ቃታ ንኽስሕብ ዳኣ ምምሃር ንምንታይ ኣድለየኒ? ኮታስ ብዙሕ እሓስብ ነይረ። ናተይ ገዲፈ ድማ እዞም ዕሸላት ተጋደልቲ ነዲኦም ብሕንቃቐ ተማእዚዝም ዘይፈልጡ ሰጥ ኢሎም ክጋደሉ እግረም። ማይ የምፅኡ፣ ምግቢ ይሰርሑ፣ ድፋዕ ይኹዕቱ፣ ግዳጅ ብኣግባቡ ይዋፅኡ። ነብሱ ይምሓሮ ተ*ዳላይ ሰመረ " ኣደይ ናትኪ መርገም ድዩ ዝኹሉ፤ ብሂወት ምተረፍኩ እሞ ተማእዚዘኪ ምረአኹ" ይብል ነይሩ ደጋጊሙ።

ዓዲ እንታይ እያ? ካብ ነብስኻን ካብ ኣዴኻን እትበልፅ ሓሳባዊት ነገር። ኮታስ ሓሳበይ ዓብዩ ዓብዩ MDD በፂሑ ነይሩ። ብኾነ ኩሉ ሓሊፉ። ምንባር ጀሚረ እየ። ካብ ምንባር ዝኾልፈኒ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣትሪረ እየ ዝቃለሶ። ዓብየ ወሊደ ዘሚደ እየ ክመውት ዝደሊ። ገዛኢ ኣይመርፅን።

ሰላም ሃቡኒ!
ሰላም!

(ጉዕሽ በርሀ ካብ ዝተብሃለ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወሰደ)

29/10/2025

''ንሻዕቢያ ከም ቀደም ፍርቂ ርእሱ ላፂና ኣይንገድፎን።''

ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል

09/08/2025

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ቆላ ተንቤን ጣብያ ያቔር ኣንፀላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ጥሜት ሓገዝ ዝኸውን ከባቢ 3.1 ሚልየን ዝግመት መግቢ፣ መድሓኒት፣ ምሩፅ ዘርእን ናይ እንስሳት መግቢን ከምዘበርከተ ገሊፁ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፁ ከምዝሓበሮ 400 ኩንታል ዒልቦ፣ 50 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ፣ 5 ኩንታል ንምግቢ ዝውዕል ጣፍ፣ 400 ሊትሮ ዘይትን 5ኩንታል ጨውን ብርክት ዝበሉ መድሓኒታት ሰብን እንስሳትን ብተወሳኺ እውን 200,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ከምዘበርከተ ገሊፁ።

ፍሉይ ትኹረት ንህዝቢ ያቔር!

Horn Headlines
09 August 2025

Want your business to be the top-listed Media Company in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Website

Address

Tigray
Mekelle