Bete Negash Tour Operator
21/06/2025
ደሕሪ ነዊሕ ዘይተሓለለ ፃዕርን ወፃእን ናይ ምድረ ሓቒ “ኣርዱል ስዲቕ “ዘርእስቱ ኣብ ዙርያ ባዓል ዓሚቕ ታሪኻዊ፥ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ዝኾነ ብደምቢ ዘይተነገረሉ ጥንታዊመስጊድ ኣልነጃሺ (ደርሒ) ብዓለም ደረጃ ንምጉላህ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልምን 🎬ዓበይቲ ሙሁራት ታሪክን ሰነ ቅርሲ (anthropologists )ዝሳተፉሉ ብዝለዓለ ደረጃ ሓሳባት ንምትእኽኻብ ዝጠቅም Al Nejashi A Legacy of Hope ብዘብል ቴማ ግዙፉ ሲምፓዜም ዝተዓጀበ ናይ ምረቓ ሰነ ሰርዓት ዕለት ሰነ 26 ሳዓት 2:30 ኣብ ሆቴል ሃፀይ የውሃንሰ መቐለ ብዱሙቕ ኩነታት ክሳለጥ እዩ ::🙏🏻
ልሕጉሰ ዜና 🫵
ን 9 ወርሒ ቐትርን ለይትነ ኽግበር ዝፀነሐ ፅገና መሰጊድ ኣል ነጋሺ ተዛዚሙ ኣሎ 👏🏻👏🏻👏🏻👏🏻 ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ::🙏🏻
🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️
"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ።
=============
"ምድረ ሓቂ" ሰነዳዊ ፊልም ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ዝነበራ መባእታዊ ግደ ብዕምቆት ኣብ ምግላፅ ብፍሉይ ድማ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ስደት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረን ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ንዕቀባ ባህልን ታሪኽ፣ ኣካዳምያዊ ረብሓን፣ ብዓብዩ ድማ ንምፍላጥ እቲ ቕዱስ ስፍራን ዓሊሙ ዝተሰርሐ እዩ፡፡
" ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ብቛንቋ ትግርኛ ዝተሰናድአ እንትከውን ቛንቋ ዓረብኛ ትሕተ ኣርእስቲ (subtitle) ይጥቀም። ኣብ ቐፃሊ ቋንቋታት ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን ብምክታት ሰፊሕ ተበፃሕነት ክህልዎ እናተሰርሐ ይርከብ።🙏🏻
🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️
11/01/2025
ካብ ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ክርከብ ዝግበኦ እቶት ንምርካብ ክንሰርሕ ኢና፦ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርትን
መቐለ፥3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ )
መስጊድ ኣልነጃሺ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ብዝበለፀ መሰሕብ ቱሪዝም ንምግባር ዓሊሙ ይስራሕ ከም ዘሎ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ገሊፁ።
ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ብኲናት ፅንተት ትግራይ ሓደጋ ምፍራስ ዘጋጠሞ እንትኸውን ሐዚ ኣብ ከይዲ ፅገና ይርከብ።
ፅገንኡ ኣብ ሓፂር ግዜ ብምዝዛም መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምቕያር ምስ ዝተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሽኽ ኣደም ዓብደልቃድር ገሊፆም።
ሸኽ ኣደም ነዚ ዝበሉ ካብ ሃገራት የመን ፣ ሱዑዲ ዓረብ ፣ ኢንዶኖዥያ ፣ ቱርኪ ፣ ጆርዳን ፣ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያን ካብ ወረዳታታት ትግራይን ንዝመፁ ኣጋይሽ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ኣብ ዘሕለፉሉ እዋን እዩ።
ኣብ ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዓብይ ቦታ ዘለዎ መስጊድ ኣልነጃሺ ታሪኹ ንዓለም ብምንጋር ኣፍልጦ ክረክብን ታሪኹን ሓድግታቱን ብምዕቃብን ኣብ ምንቕቓሕ ዝተዳኸመ ቁጠባ ትግራይ እወንታዊ ኣበርክቶ ንክህልዎ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
እቶም ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዓለም መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህዋፅ ዝመፁ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉሳት ከምዝኾኑን ነቲ ታሪኻዊ ቦታ ምህዋፆም ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ታሪኽ ብኣካል ክሪእዎ ብምኽኣሎም ፅቡቕ ስምዒት ከምዝፈጠረሎምን ተዛሪቦም።
ናብ ዓዶም ምስ ተመለሱ ትግራይ ሰላም ምዃናን ፅቡቕ ኣቀባብላ ጋሻ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑን ከምዝምስክሩ ኣረጋጊፆም።
ንቐፃሊ እውን ምስ ካልኦት ወገናት ብምዃኑ ከምዝምለሱ ዝገለፁ እቶም ሃወፅቲ ኣብ ምትእስሳር ልምዓት ቱሪዝም ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕ ከምዝግባእ ምዒዶም።
ንጉስ ነጃሺ ዝዓረፉሉ መዓልቲ 2 ጥሪ ንምዝካር እዮም እቶም ካብ ዝተፈላልለዩ ከባቢታት ዓለም ዝመፁ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ስፍራ ኣልነጃሺ ዑደት ዘሳለጡ።
ነብርቲ ከተማ ነጋሽ ብግዲኦም ታሪኽ ኣልነጃሺ ዓለም ብኣግባቡ ክፈልጦን መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምውዓል ክስርሓሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ፍልፍል ትግራይ ቲቪ
Click here to claim your Sponsored Listing.