Reporter Daniel
21/06/2026
ዝኽረ ሰማእታት ሰነ 15 ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ
ህወሓት "ናብ ሓዱሽ ኲናት ከይንኣቱ ዝገበረ ዘሎ ናይ ትግራይ ትዕግስቲ ጥራሕ እዩ" ኢሉ።
ሎሚ ኣብ ዝወፀ ሰሙናዊ መልእኽቲ እቲ ውድብ፤ ፅሕተራ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ስርዓት ብልፅግና፤ ብምትላልን ምድንጋርን ከምዘይከኣል ገሊፁ።
ስርዓት ብልፅግና ሕዚ እውን ነጋሪት ኵናት ኣብ ምድሳቕ ይርከብ ዝበለ እቲ መግለፂ፤ እዚ ኩሎም ኣፈላላያት ብሓይሊ ክፈትሕ እየ ኢሉ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝኣወጀ ስርዓት ሕዚ እውን ካሊእ ዙር ደማዊ ኵናት ንምኽፋት ተደጋጋሚ ፅሕተራ ኩናት የካይድ ኣሎ ዝበለ እንትኸውን፤ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳብ ድሮን ይፍፅም ኣሎ። ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ትግራይ ሰራዊቱን ጋዕገልጠሙን ኣኽቲቱ ኣብ ምህንዳድ ይርከብ ኢሉ።
እቲ ሰሙናዊ መግለፂ ፣እዚ ሰርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ኩናት ካብ ዝእውጅ ፀኒሑ እኳ እንተኾነ ብወገን ትግራይ ዘሎ ትዕግስቲ ጥራሕ እዩ ዛጊድ ናብቲ ዝብህጎን ዝፅሕትሮን ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ዘይኣተወ ኢሉ።
Click here to claim your Sponsored Listing.