AFD - Alaje Farmers Development Center

AFD - Alaje Farmers Development Center

Share

Photos from AFD - Alaje Farmers Development Center's post 06/02/2026

ሃመቐነኹም ✋
ድሕሪ ቕነ-ጥሪ ተመሊስና ኣለና ፤ ኽንድዙይ ንመርዓ እኽሊ ምብኻንኹም ካብ ዘይገደፍኹም ዘሎ ኣማራፂ ሓመድ ኣሕዊኻ ምህርቲ ክበዝሕ ምግባር' ዩ 😁

"ሓመድ ተሓውዩ እኽሊ ይሓዊ ፤ እኽሊ ተሓውዩ ድማ ሰብ ይሓዊ! " 🌱
ካብ ግዘ ናብ ግዘ ንምሕዋይ ሓመድን ንምስሳን ምህርትን ብርክት ዝበሉ ኣማራፅታት ሓረስታይና እናተጠቐመን እናመሃዘን መፂኡ'ዩ ፤ ምህዞን ጥበብን ሓረስታይና ፤ ንትግራይ ማእገር ኾይኑዋ ፀኒሑ'ዩ ሕዚ ውን ምስ እንቅዓ ድኻምን ብኽነት እኽሊ ፣ ጉልበትን ግዜን ማእገራ ኾይኑ ይቕፅል'ሎ።
ነዚ ናይ ዘመናት ድኻምን ውሑድ ውፅኢትን ሓረስታይና ክልውጥ ዝኽእል ቴክኖሎጂታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ትግራይ እናተርኣየን ተጠቃምነት እናሰፍሐን ይኸይድ ኣሎ ፤ ጠለብ ድማ ብኡኡ ልክዕ።
ብፍላይ ድማ ኣብ መሕረሲ ፣ መዝበጢ ፣ መዕፀድን ካልኦት እታወታትን ጠለብ ሓረስታይና እናወሰኸ ይመፅእ ምህላው ውዕሎና ምስክር'ዩ።
ካብ ሓረስታይ ዝመፅእ ዘሎ ጠለብ ድማ ካብ ምርኣይ -ምጥቃም - ምትእስሳር ዝብል ኽያዶ ዝመንጨወ ምኳኑ ኣብተን ዝሓለፋ ዓማውቲ ብዋንኡ ድማ ኣብተን ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ ቀትርን ለይትን ምስ ሓረስታይና ብምዃን ክርኢ ፣ ክሓትት ፣ ከወዳድር ፣ ክጥቀም ፣ ክጠልብ ብሓፈሻ እዙይ ርድኢት ቴክኖሎጂ ክሓድሮ ዝገበሮ (ምርኣይ ፣ ምጥቃም ፣ ምትእስሳር) ኽያዶና 'ዩ።
ሕዚ ድማ ኣብ መቕረባይ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ማማይ ግሩፕ ናይ ሓመድ ልሙዕነትን ጥዕናን ዘመሓይሽ ፣ ብተወሳኺ ውን ኣሲድነት ዘጥፍእን ጠቐምቲ ተሃዋስያን ዘነቐቕሕን bio-soilZን ምህርቲ ኣብ ምውሳኽ ፣ ቕልጡፍ ዕብየት ንክህልው ዝገብርን ፤ ሕማም ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ዝውስኽን ኬሚካል ዝቕንስን bio-plantZ ኣምፂኡልና እኒኦ።

እዙይ ድማ ኣብ ውሱን ኸባቢታት ትግራይ ሓረስቶት እናተጠቐሙሉ ዝመፅኡ Bio-soilz & Bio PlantZ fertilizer ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕርሻ ቢሮን መዳርግቲ ኣካላት ዝረኸቡሉ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ንክኾን ሎሚ ንኽኢላታት ካብ ሕድሕድ ወረዳ ተወኪሎም ንዝመፁ ስልጠና ተዋሂብዎም ኣሎ።

Photos from AFD - Alaje Farmers Development Center's post 20/12/2025

Good morning Tigrai 💛
ምስሊታት ዓውዲ ዓፀላ🌾
#ዓይባ

#ዓዲሽሁ
AFD - Alaje Farmers Development Center

Want your organization to be the top-listed Non Profit Organization in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Address

Tigray
Mekelle