Almeda Textile plc

Almeda Textile plc

Share

Photos from Almeda Textile plc's post 23/04/2026

ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ሲነርጅን ፓርትነርሺፕን ዘድሃበ ስልጠና ተሳሊጡ።

እቲ ስልጠና ኣብ ህልዊ ኩነታት፣ ተኣሳሲርካን ተላፊንካን ኣብ ምስራሕ ዘለዎ ረብሓ ንክግንዘቡን ቐፃሊ ፀገም እቲ ትካል ንምቕራፍ ውሽጦም ንኽፍትሹን ዝሕግዝ ምዃኑ ካብ 13 ክሳብ 14 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ ስልጠና ዝተሳተፉ ማእኸላይን ላዕለዋይን ኣመራርሓ ስራሕ ሓቢሮም።

እቶም ኣመራርሓ ተላፊንካን ተዋዲድካን ምስራሕ ብፍላይ ኣልመዳ ካብ ዕንወት ናብ ሕውየትን ዕብየትን ንምስግጋር ዘኽእል መማረፂ ዘይብሉ መዋፅኢ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ብቕልጡፍ ኣሰራርሓ ዘርጊሑ ናብ ተግባር ከሰጋግረና አለዎ እሎም እቶም ሰልጠንቲ ።

Photos from Almeda Textile plc's post 12/04/2026

ዘሐጉስ ዜና
ትካል ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ምህርቱ ናብ ተጠቀምቲ ቕርበሉ ሓዱሽ መሸጢ ዱንኳን( Sales shop) ኣብ ከተማ ዓድዋ ብድምቀት ኣመሪቑ ከፊቱ።
ናይቲ መሸጢ ዱንኳን (sales shop) ምኽፋት ስነ ስርዓት ሰማእታት ብምዝካር ዝተጀመረ ኾይኑ፤
ነቲ ሓዱሽ ሾፕ መሪቖም ዝኸፈቱ ም/ስ/መካየዲ ምህርቲ ኣልመዳ ኣይተ ኣረጋዊ ግርማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ...

እዚ ዝተኸፈተ ሓዱሽ ዱንኳን ኣካል እቶም ኣልመዳ
ንምሕዋይ ዝግበሩ ዘለው ፃዕርታት ኾይኑ ናብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ዝቕፅል እዩ ኢሎም።
ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ በቲ ዘለዎ ውሱን ዓቕሚ ተበፃሕነቱ ናብ መላእ ትግራይ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ከተማ ሽረ ንነጋዳይ ሙሉእ ውክልና ሂቡ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ከተማ ኣክሱም እውን ውክልና ሂቡ ስራሕ ንምጅማር ውዕል ስምምዕ ኣብ ምፍፃምን ምህርቲ ኣብ ምድላውን ይርከብ።
ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ፅንዓት ተወዲኡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ውክልና ንምሃብን ናይ ባዕሉ መሸጢ ሾፕ ንምኽፋትን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።
ኣብዚ ሎሚ ዝተኸፈተ ናይ ኣልመዳ ምህርቲ መሸጢ
ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ምህርትታ ቀሪቦም ብተጠቀምቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ዝረኸቡ ኮይኖም ዓደግቲ ንምግዛእ ካብ ዝነበሮም ድሌት ብዙሕ ምፅቕቓጥ ን ምድፍፋእን ተዓዚብና ኢና።
ኣልመዳ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበርዎ ምህርትታት ብፅሬትን ብዋጋን ዝሐሸ ምህርቲ ሒዙ ንበዓል ትንሳኤ ዓብይ ብስራት ኮይኑ እዩ።
ካናቲራ
ፖሎ ቲሸርት (በዓል ኳሌታ)
ሸሚዝ
ፒጃማ
ፓክኣውት
ቁምጣን ካናቲራን
ህዝቢ ከተማና
ናይ ዓበይቲ ናይ ቆልዑ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዝተፈላለዩ ሕብርን መጠንን ሒዙ ቀሪቡ ተጠቃማይ ብዝሓሸ ፅሬትን ዋጋን ፍርያት ኣልመዳ እናገዝአ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናይ ኣንሶላን ጅንስን ካልኦትን ምህርትታት ክጅምር እዩ።
ሰናይ በዓል ትንሳኤ....!!

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ

Photos from Almeda Textile plc's post 23/10/2020

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ትማሊ ኣብ ላዕላይ ማይጨውን ገጠር ዓድዋን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ ሳይረንን መንፀጊት ኬምካልን ሒዞም ኣብቲ ዝተረኣየሉ ከባቢ ብምኻድ እናመከቱ ውዒሎም!! ሎሚ እውን ናብ ከባቢ ራህያ ብዙሕ ሰራሕተኛታትና ወፊሮም ኣለው!!

16/10/2020

ኣንበጣ ንምጥፋእ ብተግባር
==================

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ዕስል ኣንበጣ ንምጥፋእ እትሕግዝን ኬሚካል ትነፅግን ማሽን ኣምሪቱ ኣሎ!! እዛ ማሽን እዚኣ ፍልይ ዘብላ ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾነ ቦታ እውን እትንቀሳቐስን ብቐሊሉ ተሸኪምካ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ እትንቀሳቐስን ምዃና።
ብተወሳሊ እዉን ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ክልተ ዓበይቲ ሳይረን (ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ መሳርሒ) ሰሪሑ ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ!!

ህዝብና ንምሕጋዝ ብተግባር!!

Want your business to be the top-listed Clothing Store in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Telephone

Website

Address

Bolo Road
Addis Ababa