Chora Media

Chora Media

Share

05/02/2026

💔 ኲ 💔 ና 💔 ት 💔

➭‟ ኲናት ብሞት ንዝሓለፉ ጥራይ እዩ መወዳእታ ዝኾኖም፤ ንዝተረፉ ግና ናይ ህይወት ዘመን ስቓይን ናፍቆትን እዩ።"

— ፕላቶ

➮"ኲናት መን ቅኑዕ ምዃኑ ኣይውስንን እዩ፤ መን ተረፋይ ምዃኑ ጥራይ እዩ ዝውስን።" (እዚ ማለት ኲናት ንሓቂ ኣይኮነን ዘውጽእ፣ የግዳስ ንኹሎም ወገናት ኣጥፊኡ እቶም ዝተረፉ ብስቓይ ከም ዝነብሩ እዩ ዝገብር።)

_በርትራንድ ራስል

➭"ሳልሳይ ውግእ ዓለም ብምንታይ ኣጽዋር ከም ዝካየድ ኣይፈልጥን እየ፣ ራብዓይ ውግእ ዓለም ግና ብበትርን እምንን ከም ዝኸውን ርግጸኛ እየ።" (ኲናት ንስልጣነ ደቂ ሰባት ናብ መበቆላዊ ድሕረት ከም ዝመልሶ ዘረድእ እዩ።)

_ ኣልበርት ኣይንስታይን (Albert Einstein)

➭"ምውታን ጥራይ እዮም መወዳእታ ኲናት ዝረኣዩ።" (ንህያዋን ሰባት ኲናት ብበሰላን ስቓይን ቀጻሊ ምዃኑ ንምግላጽ።)

_ጆርጅ ሳንታያና

➭"ኲናት ዝኽሰር እምበር ዝዕወቱሉ ነገር የለን። ኲናት ጸያፍ ነገር እዩ።" (ሄሚንግዌይ ባዕሉ ተካፋሊ ኲናት ስለ ዝነበረ፣ እቲ ናይ ቀረባ መሪርነት ገሊጽዎ።)

_ኤርነስት ሄሚንግዌይ

➭"ኲናት ማለት ንሓድሕዶም ዘይፋለጡ ሰባት፣ ብትእዛዝ እቶም ንሓድሕዶም ዝፋለጡ ግናኸ ዘይተፋጠጡ ሰባት (መራሕቲ) ተላዒሎም ንሓድሕዶም ዝቀታተሉሉ መስርሕ እዩ።"

_ያንግ ቺ-ቻው

➭"ኲናት ማለት ንሓድሕዶም ዘይተፋለጡ መንእሰያት ንሓድሕዶም ዝቀታተሉሉ፡ እቶም ንሓድሕዶም ዝፋለጡን ዝተባኣሱን ዓበይቲ ሰባት ግና ብሰላም ኮፍ ኢሎም ዝዕዘቡሉ ድራማ እዩ።"

_ማርክ ትወይን (Mark Twain)

➭"ኲናት ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ዝሓልቁሉ፡ ሒደት ሰባት ድማ ብጸጋ ዝህብትሙሉ መድረኽ እዩ።"

_ዊንስተን ቸርቺል

➭"ካብቶም ኣብ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ንላዕሊ፡ እቶም ዝተረፉን ዝቆሰሉን እዮም ዝያዳ መሪርነት ኲናት ዝፈልጡ።" (ሓደ ጀነራል ኮይኑ ክነሱ፡ ኲናት ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ዝገለጸሉ ሓሳብ እዩ።)

_ጀነራል ዶግላስ ማክኣርተር

➭"ኲናት ንመጻኢ ወሎዶታት ዝኸውን ድልድል ዘይኮነስ፡ ንመቓብር ዝኸውን ጉድጓድ እዩ ዝኹዕት።"

_ማርቲን ሉተር ኪንግ

➭"ኣብ ኲናት ካብ ሞት ዝኸፍአ ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ ሰላም ምስ መጸ ዝስምዓካ ናይ በይንነትን ናይ ዝጠፈኡ ብጾትካ ዝኽርን እዩ።"

_ሆመር (Homer)

➭"እቲ ምስ ጋኔን (ኲናት) ዝቃለስ ሰብ፡ ባዕሉ ጋኔን ከይከውን ክጥንቀቕ ኣለዎ። ናብ ዓሚቕ ጋድል (ኲናት) ንነዊሕ እዋን እንተጠሚትካ፡ እቲ ጋድል እውን ናባኻ ክጥምት እዩ።" (ኲናት ንሰብኣዊነት ሰብ ከም ዝዘርጎ ዝገልጽ ጥርዚ ፍልስፍና እዩ።)

_ፍሪድሪክ ኒሸ

➭"ኲናት ንመላእ ደቂ ሰባት ዘጥፍእ ሕማም እዩ። ኣብ ኲናት ዝዕወት ወገን የለን፤ እቶም ዝተረፉ ጥራይ እዮም ዝያዳ ዝሳቀዩ።"

_ፍራንክሊን ዲ. ሩዝቬልት

➮"ኲናት ማለት ሰባት ንሓድሕዶም ክቀታተሉ ብሕጊ ዝፍቀደሉ እዋን እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ዝኸፍአ ውርደት ደቂ ሰባት እዩ።"

_ቪክቶር ሁጎ

➮"ኲናት ወትሩ ንጽሃን እዩ ዝቐጽዕ። እቶም ኲናት ዝእውዙ ኣብ ውሑስ ቦታ ኮፍ ይብሉ፣ እቶም ግዳያት ግና እቶም ተራ ሰባትን ደቆምን እዮም።"

_ሄለን ኬለር

"ኲናት ሰላም ኣይኮነን፤ ኲናት ማለት ንኹሉ እቲ ጽቡቕ ዝነበረ ባህልን ክብርን ኣጥፊእካ፣ ኣብ ክንድኡ ጽልእን ጥልመትን ምትካእ እዩ።"

_ጆርጅ ኦርዌል

➮ናይ ቻይና ምስላ:
"ኲናት ዝጅምር ብጭውጭውታ ኣዕዋፍ ይመስል፣ ዝውዳእ ግና ብልቅሶ ኣዴታት እዩ።"

➭ናይ ኣፍሪቃ ምስላ:
"ክልተ ኣእጋር (ዝኾኑ ሓይልታት) ክበኣሱ ከለዉ፣ እቲ ዝጉዳእ ሳዕሪ (ተራ ህዝቢ) እዩ።"

➮ናይ ፈረንሳይ ምስላ፦
"ኲናት ካብ ዝኾነ ይኹን ሕማም ንላዕሊ ንሃገር የጥፍእ።"

➮ናይ ሩስያ ምስላ፦
"ኲናት ንሓደ ሰብ ሃብታም ክገብሮ ይኽእል ይኸውን፡ ንኣሽሓት ግና ድኻታት እዩ ዝገብሮም።"

05/02/2026

"እኔን ድፈረኝ!!"

ቦክራ መንደራችን ናት። ገና ጭለማዋን እየገፈፈች ነው።ከአውቶቢስ ተራ የሚመጣው የረዳቶች ጫጫታ መሰማት ጀምሯል..ቦክራ ድንበር በመሆኗ ምክንያት የሚወጣ እና የሚገባው ህዝብ ትርምስ ገና ጎህ ሲቀድ ሞቅ ያደርጋታል። እኔና እማዬም ማንቆርቆሪያ እና ሲኒያችንን ይዘን ወደ ገበያ እንሰማራለን። እሷ ሻይ ስታፈላ እኔ ደሞ ቂጣ እየሸጥኩ አግዛታለሁ...የመጣ የሄደ ሁሉ እህትሽ ናት??እያለ ሲጠይቃት ፈገግታዋን አክላበት ልጄ ናት በማለት ትመልሳለች። የኔና የእማ ነገር የማይገርመው የለም...የጠይም ቆንጆ ረዘም ያለች ናት ..እኔም እንደሷ ነኝ የሁለታችንም ፀጉር ወርዶ ወገባችን ላይ ይደርሳል። በልጅነቷ ስለወለደችኝ መንትያ አንጂ እናት እና ልጅ አንመስል ..ከሷ ትንሽ የምለየው በጥርሴ ነው እንደሞተው አባቴ ጥርሴ ዘርዘር ያለ ነው.....

"ቦክራ ነዋሪዎች በሙሉ ሀገር በወራሪወች እጅ ወድቃለችና ከመንግስት ጎን በመቆም እራሳችሁንና ሀገራችሁን ተከላከሉ"

ገና ከእንቅልፋችን ነቅተን ልንወጣ ስንሰናዳ የራዲዮኑን ድምፅ ሰምተን በቆምንበት ደርቀን ቀረን። ወድያው ከደቂቃዎች በኋላ የተኩስ እሩምታ ጠባቧን ቦክራን አንቀጠቀጣት። በየአከባቢው የጩኸት ድምፅ በረከተ። የሚሰበር በር ቋንቋውን የማናውቀው የጎረምሶች የሀይል ድምፅ ሰፈሩን ሞላው። የኛም እጣ ደርሶ በራችን ይደበደብ ጀመረ...

ክፈት!!!ክፈት!!!በቅጡ ቋንቋ የማያቅ የሚኮላተፍ ሰው በራችን በሀይል እየደበደበ አንባረቀ እማዬ ወድያ ጎትታኝ መኝታ ቤት ይዛኝ ተደበቀች። ግን ከንቱ ድካም ነበር ..አንዴ በሩን በሀይል ሲመቱት ሰባራ በራችን ተበርግዳ ሁለት ጥቋቁር ታጣቂዎች ወደቤታችን ዘለቁ ከየት የለመዱት ቋንቋ እንደሆን ባይታወቅም አስሬ ...ውጡ..ውጡ ..ውጡ ..!!!ይሉ ነበር።

እማ ቀድማ ከመኝታ ቤት ብቅ ስትል ተከተልኳት። እሷ ግን ወታደሮቹ እንዳያዩኝ እዛ ተደበቂ እያለች በእጇ ልትገፋኝ ሞክራም ነበር።

"ኦውውውው ሁለት ቆንጆ" አለ ከሁለቱ ታጣቂዎች አንደኛው

በናታችሁ ለዛሬ ተውን በናታችሁ!!! እያለችን እማ ልመና ጀመረች ሁለቱ ወታደሮች በሹክሹክታ ካወሩ በኋላ አንዱ ውጪውን ሊጠብቅ ነው መሰል ወደበሩ ሲያመራ አንዱ ወደኔ በሽፍደት እያየ ይመጣ ጀመረ...

አይሆንም ልጄን ተዋት!! ልጄን ምንም እንዳታደርጋት!! እኔን የፈለከውን አድርገኝ ...[በናትህ እማ ቀበጣጠረች እኔ ከድንጋጤዬ የተነሳ ከእጄ ላብ ይንጠባጠብ ጀመረ!

"አይይይ ኢኔ ኢሷ ነው ሚወደድኩ!!" ኣለ ወታደሩ

አይ መጀመርያ እኔን ድፈረኝ መጀመርያ እኔን ድፈረኝ....!! እያለች እማ የወታደሩ እግር ላይ ወድቃ ስትለማመጠው ሳይ ነብሴ ጭንቅ አለች እኔ ቆሜ እናቴ ስትደፈር ላይ ነው???አይሆንም!!! ኣልኩ።

"እማ መጀመርያ እኔን ይድፈረኝ ተይ አንቺ ሂጂ እናቴ ትሞቺብኛለሽ" አልኳት እያለቀስኩ።

"ሁለታቹ ቆንጆ ቆንጆ" እያለ ወታደሩ ተኮላትፎ ካወራ በኋላ ረጅሙን ሳቁን ሲለቀው ሁለታችንም ፊታችንን አጨማደን ወደኋላ ሸሸን። ይሄኔ ወታደሩ ጊዜ ሳያጠፋ ገመዱን አውጥቶ እኔን ይጎትኝ ጀመረ ማልቀስም መጮኽም እናቴን ከመደፈር እንደማያተርፋት ባውቅም እየጮኽኩ ከወንበር ጋ ጥፍንግ አድርጎ አስሮኝ ሱሪውን እየፈታ ወደ እናቴ ተጣደፈ። እናቴ ልጇ እያየኋት እኔን ለማትረፍ ስትል ልትሰቃይ( በጭካኔ ልትደፈር) እንደሆነ እያየሁ እያለቀስኩ ለመንኩት ወታደሩ ግን ያለምንም ርህራሔ እናቴን ቀሚሷን ገፎ ደረቅ ወንበር ላይ ጥሏት እላይዋ ላይ ሰፈረባት...እሷ ግን መንፈራገጧን ኣላቆመችም።

ከእናቴ የሰቀቀን ድምፅ ጋ እኩል ጮኽኩኝ ይኼኔ እናቴ ላይ የነበረው ወታደርም ሲጮኽ ሰማሁት አጯጯሁ ግን የህመም ነበር... እናቴ ከታች ሆና ከላይ የተጫናትን ሰው ስትታገለው ሳይ በድንጋጤ ልጮኽ ስል ከላይዋ ላይ አንጋላ ስትጥለው እጇ በደም ርሶ አየ።

ወታደሮቹ ሊገቡ ሲታገሉ ከመደርደርያው ላይ ቢላ አንስታ ውስጥ ሱሪዋ ላይ ስትከት አይቻት ነበር ግን ይሄንን አልጠበቅኩም። ሊደፍራት የመጣውን ወታደር ገድላ ጥላ ከታሰርኩበት ፈታኝ በጓሮ መስኮት ዘላ ይዛኝ ጠፋች....ያ እልቂት... ያ ሞት.. ያ መደፈር ሳይነካን ከቦክራ መንደር ጠፍተን ተሰደን ባህር አቋርጠን ጠፋን።

ዛሬም እማ እኔን ድፈረኝ ያለችው ድምፅ እረፍት ይነሳኛል ስለ ጦርነት ስሰማ ያመኛል ስለ ውጊያ ሳስብ ምንም የማያቀው ህዝብ ጭንቅ ይጨንቀኛል

"ከሁሉም ሰላም ይበልጣል"

01/02/2026

🚨 ሞትን ተፋልሞ እናቱን ከእሳት ነበልባል ውስጥ የነጠቀው ጀግና!

​በሀምሌ 2019 በፊላደልፊያ ሰማይ ስር አንድ እጅግ ዘግናኝ አደጋ ተከሰተ። ባለ 19 ፎቁ ዌስት ፓርክ ህንጻ በሚያስፈራ የጥቁር ጭስ ናዳ ተዋጠ። ሰዎች በድንጋጤ ሲጮሁ፣ ደረጃውና ሊፍቱ በእሳት ተዘግተዋል።

​በዚያ ጭስና እሳት መሀል፣ በ15ኛው ፎቅ ላይ አንዲት ምስኪን እናት ከአልጋ መነሳት ባለመቻላቸው ብቻቸውን ከሞት ጋር ተፍጠዋል። ሞት አፋፍ ላይ ደርሰዋል!

#​ድንገተኛው_ጀግና፦
ልጃቸው ጀርሜን በዚያው ቀን ወገቡ ተሰብሮ ሐኪም ዘንድ ነበር። "መንቀሳቀስ አትችልም" ተብሏል። ነገር ግን የወለደችው እናቱ በእሳት ስትበላ እያየ ዝም ማለት አልቻለም። ህመሙን ዋጠው፣ ፍርሃቱን ገደለው!

#​በሰማይ_ላይ_የተደረገው_ፍልሚያ፦
ጀርሜን ደረጃውን መውጣት ሲያቅተው፣ ማንም ሊያደርገው የማይችለውን አደረገ! በህንጻው ውጭ በኩል፣ በረንዳዎችንና የብረት ቱቦዎችን ብቻ በመያዝ ፎቅ ለፎቅ መሳብ ጀመረ።

​ከታች ያሉት ሰዎች በድንጋጤ አፋቸውን ይዘዋል... አንዲት ስህተት ለሞት ትዳርጋለች! እጁ እየተንቀጠቀጠ፣ የቆሰለ ወገቡ እንደ እሳት እያቃጠለው፣ በ15ኛው ፎቅ ላይ ህይወትና ሞት መሀል ተንጠልጥሎ እናቱ ጋ ደረሰ።

#​የማይረሳው_ፍጻሜ፦
መስኮቱን በሀይል ሰብሮ ሲገባ፣ እናቱ በጭስ ታፍነው ተስፋ ቆርጠው ነበር። ልጃቸውን ሲያዩት ተአምር መሰላቸው! ጀርሜን በክብር እናቱን አቅፎ አዘላቸው፤ በወጣበት አደገኛ መንገድ፣ በህንጻው ውጭ በኩል እናቱን አዝሎ ወደ መሬት ወረደ።

​መሬት ሲረግጡ ታች ያለው ህዝብ የደስታ ለቅሶ አስተጋባ! ጀርሜን እናቱን ብቻ ሳይሆን የሰውን ልጅ የፍቅር ሀያልነት አዳነ።

​"ለእናቴ ስል ሺህ ጊዜ እሞታለሁ" ያለው የዚህ ወጣት ታሪክ፣ ፍቅር ተራ ሰዎችን ወደ ጀግና እንደሚቀይር ትልቅ ማሳያ ነው። ❤️🙏

​📌 ይህን ልብ የሚነካ ታሪክ ከወደዳችሁት Follow አድርጉ፤ ለሌሎችም እንዲደርስ Share በማድረግ አግዙን!

31/01/2026

"ኣምላኽና ባርጆ እዩ ፣ ኣምላኽካ ካብ ባርጆ ዝዓቢ እንተኾይኑ ጽባሕ ዝናብ ከዝንብ ንገሮ"🤔

ህዝቢ ሃመር ንሊቀ ጳጳስ ዝሓተትዎም ፈታኒ ሕቶ 👇🏽

ሓደ እዋን ኣብ ሃገረ ኢትዮጲያ ናይ ሰሜን ኦሞ [ደቡብ ኦሞ፡ ጋሞ ጎፋ፡ ዳውሮ፡ ወላይታ] ሊቀ ጳጳስ ነበር ሕጂ ብሂወት ዘየለው ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ እንባቆብ ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ናብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ናብ እትርከብ ቁሸት ሃመር ከዱ።

ክላሽን ዝተዓጥቁ ፡ ኣብ ኣስናንኖም መዎጽ ዝገበሩ ፡ ንሕፍረቶም መሸፈኒ ዝኸውን ጥራሕ ቁራጽ ጨርቂ ዝኣሰሩ ኣብቲ ብርቱዕ ዋዒ በረኻ ዳርጋ ዕርቃኖም ዝወጹ መንእሰያት ጓሶት ሃመር፡ ነቶም ጸሊም ክዳን ምስ ጸሊም ኣስኬማን በትሪን [በትሪ ሙሴ] ዝለበሰ ብዕድመ ዝደፍአ ሊቀ ጳጳስ፡ ምስ ረኣይዎም ከም ፍሉይ ፍጥረት ጠመትዎ።

"ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኢየ መጺአ" ብምባል ጥራይ ኣብ ዓዲ ሓመር ወንጌል ክትሰብኽ ኣይከኣልን እዩ። ኣይግበሮም እንበር ብድፍረት ንሃመር ወንጌል ምስባኽ ፡ ህይወት ሰባት ዘኽፍል ዓቢ ናይ ሞት ጻውዒት ክኸውን እዩ።

ኣብ ዓዲ ሃመር ቅድሚ ዝኾነ ዓይነት መንግስታዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ንጥፈት ምክያዱ ፡ ነቶም ናይ ማሕበረሰብ ሃመር መራሒ ዝኾኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ ምርካብ ግዴታ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀዋሚ ኣሰራርሓ እቲ ሕብረተ ሰብ ኢዩ።

ስለዚ እቶም ሊቀ ጳጳስ ንኣገልግሎት ወንጌል ፍቓድ ንምርካብ መጀመርታ ምስ ተርጓሚኦም ናብ ክፍሊ መራሒ ቀቢላ ሃመር ኣተወ።

ኣቦ ሃመር እውን ናብቶም ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ዝመጸ ሊቀ ጳጳስ ጠመቱ ፡ ንሓደ ክቡር ሰብ ዝቐርብ ናይ ቆርበት ምንጻፍ ክርቡሎም ኣዚዙ ፡ ንሊቀ ጳጳስ ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቆርበት ኮፍ ክብሉ ኣዘዞም።

ሊቀ ጳጳስ ንኣቦ ሃመር ንምንታይ ከም ዝመጸ ኣረድእዎም፤ ንኣባላት ማሕበረ ሰብ ሃመር ኣጥሚቖም ኦርቶዶክሳውያን ክገብርዎምን ኣምላኽ ዝበሃል ኣምላኽ ከቕብሉዎን ከም ዝደልዩ ብግልጺ ሓበርዎ።

ኣቦ ሃመር ንሊቀ ጳጳስ ስቕ ኢሎም ንነዊሕ እዋን ሰምዕዎ ፣ ኣብ መወዳእታ ሓደ ሓሳብ ኣምጽኡ።
..."ዝናብ እንተዘኒቡ ሳዕሪ ክበቁል እዩ። ሳዕሪ እንተሃልዩ ከብቲ ሳዕሪ ክበልዓ እየን። ከብቲ እንተሃልየን ጸባን ስጋን ክህሉ እዩ። ጸባን ስጋን እንተሃልዩ ሰብ ክህሉ እዩ። ጥሜት ኣይክህሉን እዩ። ሓጎስ ጥራይ። ስለዚ ኣምላኽና ባርጆ እዩ። ክሳብ ሕጂ ዝናብ ክዘንብ ጸኒሑ ከብትና ብህይወት ኣለዋ ንሱ ኣምላኽና እዩ። ሕጂ ግን፡ ዝናብ ንብዙሓት ኣዋርሕ ደው ኢሉ ኣሎ። ንኣዋርሕ ተጻሊእና ኣሎ። ሳዕሪ ክንደሊ ምስ ከብትና ኣብ ከርተት ኢና ዘለና ፡ ስለዚ ኣምላኽካ ካብ ባርጆ ዝዓቢ እንተኾይኑ ጽባሕ ዝናብ ክዘንብ ንገሮ ፡ ብምባል እቲ መራሒ ቀቢላ ንሊቀ ጳጳስ ናብ ኣብ ቅልውላው ዘእትዎ ናይ ብቕዓት ፈተና ኣእተዎ።

ሊቀ ጳጳስ ተደናጊሩ ፡ ነቲ ጽሑፍ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ ስለ ትዕግስትን እምነትን ከየረድእዎም ህዝቢ ሃመር ንረድኤት እግዚኣብሔር ብጸጋኡን ብተኣምራቱን ብቐጥታ ናይ ምርኣይ ልምዲ ስለ ዘለዎም፣ ከረርልድእዎም ከቢድ ኮኖም ።

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳስ ካብ ቁሸት ሃመር ምስ ወጹ ኣብ ንኣምላኾም ሓንቲ ቃል ጥራይ ተዛረቡ...... ኦ ቅድስቲ ስላሴ... ኣነ ንሰማይ ክእዝዝ ዝኽእል ዝናብ ዘዝንብ ኤልያስ ኣይኮንኩን ፣ ድኹም ምዃነይ ድማ ትፈልጡ ኢኹም፣ ደበና ክእዝዝ ዝኽእልን ኣይኮንኩን። እዚ ህዝቢ እዚ ርስትኻ ክኸውንን ስምካ ኣብዛ ምድሪ ክኸብርን ፍቓድካ እንተኾይኑ ጽባሕ ንዓይ ከይጠመትካ ዝናብ ሃቦም። ካብ መከራ ሓልዎም። "ተኣምራትካ ኣግሃድ ንህዝብኻ ድማ ኣድሕን" ኢሎም ጸሎይ ገበሩ።

ነቲ ናይ ወንጌል ሰሚዑ ፤ መጻሕፍቲ ኣንቢቡ ክምሃሩ ዘይክእሉ ሕብረተሰብ ፡ ወንጌል ምግላጽ ከም ዘይከኣል ዝፈለጡ ሊቀ ጳጳስ እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እንተ ኣፍቂሩ ናብ ቤቱ እንተዓዲሙዎ መስኮት ሰማይ ክኸፍት ተጸበዩ።

ሰናይ ፍቓድ #ኣምላኽ ተፈጸመ
ንጽባሒቱ ኣብታ ዓዲ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ብርቱዕ ዝናብ ዘነበ ፡ ሓደ መዓልቲ ክልተ መዓልቲ እንዳ በለወቕቲ ዝናብ ኰነ። ንህዝቢ ሃመር ኣጻላሊይዎም ዝነበረ ናይ ኣዋርሕ ድርቂ ኣብቅዐ ፣ ኣቦ ህዝቢ ሃመር ብጣዕሚ ተገረመ።

ቀልጢፎም ድማ ናብ ሊቀ ጳጳስ ጸዊዖም ብሳዕሲዒት ተቀበልዎምን ኣመስገንዎን ፡ ጽብቕቲ ምራኽ ሓሪዶም ኣኽበርዎም ነቲ ህዝቢ እውን ናይ ሓጎስ ምሸት ከብዕል ኣዘዙ።

ኣቦ ህዝቢ ሃመር ብኣጻብዕቱ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሰፊሕ ጎላጉል እንዳ ኣመልከት " ኣነ ኣሪገ እየ ጉዕዞይ ኣብ መወዳእታ በጺሑ ኣሎ። ኣብ እዚ መሬት ቤት ሰሪሕካ ንህዝበይ ሓሉ"... ብምባል ትንቢት ዝመስል ለበዋ ንሊቀ ጳጳስ ተላበዉ።

ኣብ ቁሸት ሃመር ኣብ ሓጺር ግዜ ቤተ ክርስቲያን ተሃንጸ ። ህዝቢ ሓመር መጺኡ ክጥመቕ ድማ ኣቦ ኣዋጅ ሃመር ተነግሩ።

ጻውዒት ኣቦም (ሓላፊኦም) ዝሰምዑ ህዝቢ ሃመር ጥሪቶም ሓዲጎም ናብ ቤተ መቕደስ መጺኦም ብኢድ ካህናት ተጠመቑ።

ኣሽሓት ነፍሳት ድሒነን። ኣብ ሓጺር ግዜ ሃመር መሬት ኦርቶዶክሳዊት ኮይና። ድሕሪ እቲ ናይ ሃመር ኣቦ ንሊቀ ጳጳሳ "ህዝበይ ሓልው" ዝበሎም ናይ ለበዋ ቃል ንቁሩብ መዓልታት ጸኒሖም ተጠሚቖም ካብዛ ዓለም ሓሊፎም ከነኣን ወረሱ።

ትማሊ ብከምዚ ኣገባብ ኣብ ሃመር ዝጀመረ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሎሚ ልዕሊ 90% ህዝቢ ሃመር ኦርቶዶክስ ገይርዎ ኣሎ። ደቂ ሃመር ዝኾኑ ዲያቆናት ንካህናት ድማ ፈሪዮም ኣለው።

ብስም ሙሴ ጸሊም፡ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሻን ኣቡነ ዜና ማርቆስን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ገዳም ተሃኒጹሎም ኣሎ ።
ሓዊ ወንጌል ክሳብ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኦሞ ይቃጸል ኣሎ ፡ ክሳብ 50 ሽሕ ዝበጽሑ ጓሶት በብዓመቱ ብስም ኣብ ወልድ መንፈስ ቁዱስ ክርስትና ይቅበሉ ኣለው።

ሎሚ ሓደ ናብ ሃመር ዝኸይድ በጻሒ ንህዝቢ ሃነር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓበይቲ ገዳማት ብምብጻሕ በረኸት ክካፈል ይኽእል ኢዩ።

ኣብ እዚ እዋን ህዝቢ ሃመር ንኣምላኾም ምስጋና ዘቕርቡ ብድሕሪ ቡስካ ብፍቕረ ማርቆስ ዝተባረኹ ህዝቢ ንቡስካ ብደርፊ ቀዲሶም ኣብ እምባኦም ገዳም ሰሪሖም። ቅዱስ መስቀል ኣካል ባህላዊ ኣከዳድናኦም ኮይኑ፡ እምነቶምን ጽባቐኦምን ዘንጸባርቕ ኮይኑ ኣሎ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።

ናይ እምነት ተኣምር ማለት እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ከም ቃና ዘገሊላ ሰባት ብእኡ ምእንቲ ክኣምኑ ኢሉ ተኣምራቱ ገሊጽዎ እዩ፣ እዚ ድማ ድሕነት ዘረጋግጽ ተኣምር እዩ።

ናብ ሃመር እንተ ከድኩም ፡ ገዳም ኣቡነ ሙሴ ጸሊም፡ ካብ ዲመቕ ንምዕራብ ዝርከብ ገዳም ዘና ማርቆስ፡ ከምኡ’ውን ገዳም ኦሞራተ እንተበጺሕካ፡ ዳግማይ ብዛዕባ ሃመር ምስ ሓሰብካ፡ መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ኣብ ኣእምሮኻ ክትመጽኣካ ኢዩ።

ናይ ቅዱስነቶም በረኸት ኣብ ልዕሌና ይኹን!!!

ኣምላኽ ይመስገን !!!

Telephone

Website