Adiabo Media
19/06/2021
ኩለመዳያዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ፀላእትና ንደምስስ !!
-------
ታሪኻውያን ፀላእትና ህዝብና ኣጥፊኦም ኣብ ኮረቻ ሚኒሊካዊ ኢምፓየር ንምንባር ካብዘለዎም ስዑር ባህጊ ብዝብገስ ማእለያ ምስ ዘይብሎም መዝረ ልፍንቲ ሓይልታት ተላፊኖም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኽእልዎ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ብዘይንሕስያ ፈፂሞም፤ ኣብታ ዝተረፈቶም ናይ ዓፅረ ሞት ካልኢት ኮይኖም እውን ይቕፅልሉ ኣለው።
ብፈተና ፀላእቱ ዘይፀዓድ፣ ተቓሊሱ ዘይርብርብ፣ ማእለያ ብዘይብሉ ግፍዒ ፀላእቲ ዘይህመል ህዝብና ንሕልሚ ፀላእቱ ኣይተምበርከኸን። ሎሚ እውን ከምቀደሙ ኩሎም ውልቃዊ ጉዳያቱ ራሕሪሑ፣ ትግራይ ልዕልን ቅድምን ኩሉ ሰሪዑ ምእንተ ዓዱን ህዝቡን ይጋደል ኣሎ።
ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ፣ ንኽብሪ ትግራይ ክትብል ንፃት እውን ግምባርካ ንዓረር ኣይሰሳዕኻን። ንኹሉ ዓይነት ተፃባኦታት እዚ መድረኽ ኣይተሰኮንካን። የግዳስ ማእለያ ንዘይብሎም ልፍንቲ ሓይልታት ፀላእቲ በታቲኽካ ሓርነት ትግራይ ክተበስር ኣብ ድርኩኺት እቲ ዓወት ረጊፅካ ኣለኻ። ህዝባዊ ዕላማኻ ተሓንጊጥካ፣ በቲ ዝተለመደ ጅግንነትን ሳይንሳዊ ጥበብ ገድልና እናተመራሕኻ ነቲ ዘዛባዕኻዮን ሓሙቱ ዝፈሰሰን ግፈዐኛ ፀላኢ መሊእኻ ንምድምሳስ ንቕድሚት መርሽ! ሓርነት ትግራይ ብጅግንነትካ ክገሃድ እዩ። ወርቃዊ ታሪኽካ ድማ ብወርቃዊ ቀለም ተኸቲቡ ንዘለኣለም ኣብ ማህደር ታሪኽ ገድልና ክነብር እዩ!! ትግራይ ብኣኻ ትሕበን !!
ዝኸበርካ ደጀን ህዝብና፣ ነቲ ኹሉ መከራ ሰጊርካ፣ ሳላ ዝተቓለስካ፣ ሳላ ግፍዒ ኣረብሪቡካ ርእስኻ ዘየድነንካ ከምታ ዝበልናያ ፀላእትኻ ቀቢርካ ናብታ እትምነያ ድሮ ሙሉእ ዓወት ትቀራረብ ኣለኻ። ቃልስኻ፣ ቃልሲ ፍትሒ እዩሞ ዓወት ግድን ናትካ እዩ። ሓርነትካ ብኹቡር ቃልስኻ ክተረጋግፅ ኢኻ። ሎሚ እውን ሱር ቃልስና ኮይንካ ደቅኻ እናመረቕካ ናብ ቃልሲ ልኢኽካ። ዓንዲ ሑቐ ቃልሲ ሓርነትና ኮይንካ ካብታ ፀላእቲ ዝወረርዋ ጎጀኻ መቒልካ ቃልስና ኣብ እንግዳዕኻ ተሸኪምካ ናብታ እትምነያ ዓወት ትኣቱ ኣለኻ። ንሙሉእ ዓወትካ ኩለ መዳያዊ ቃልስኻ ኣበርኽ !!
ዝኸበርኩም ወየንቲ ትግራይ፣ መላእ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ፣ ፀላእትና ሓመድ ድበ ናብ እነእትወሉ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ኣቲና ኣለና። ሰራዊትና ነዚ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ዓቕምን ድልውነትን ወኒኑ ኣሎ። ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተጀመረሎም ግምባራት ድማ ኣንፀባራቕቲ ዓወታት ይሓፈስ ኣሎ። በትሪ ወያነና ምፅዋር ዝኸበዶ ካብ ሞት ዘምለጠ ሰራዊት ፀላኢ ገሊኡ ኢዱ ይህብ ገሊኡ ድማ ይብተን ኣሎ። ብምዃኑ እውን ወየንቲ ትግራይን መላእ ህዝብናን ኩሎም ክሳዳት ትግራይ ብምዕፃው ፀላእቲ ኣብ ቁፅፅር ንኽውዕሉ እቲ ዝተለመደ ኩለ መዳያዊ ህዝባዊ ቃልስና ክተሓይል ውድብኩም ህወሓት ፃውዒቱ የቕርብ።
ንኹልኹም ሰራዊት ፀላእቲ፣ ዕላማ ዘይብሉ መስዋእቲ ትኸፍሉ ኣለኹም። ብድሕሪትኩም ብጥይት እናተወቓዕኹም ብቕድሚት እውን ካብ ጥይት ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ከምዘይብልኩም እናተነገረኩም ክልቲኡ ሞት እዩ ኢልኩም ቀለብ ጥይት ትኾኑ ከምዘለኹም ንርዳእ። ይኹን እምበር ሰራዊት ትግራይ፣ ኢዱ ንዝሃበ ሰራዊት ናይ ምቕታል ዕላማ ይኹን ባህሊ ከምዘይብሉን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኢዱ ንዝሃበ ሰራዊት ተቐቢሉ ናብ ዝመረፆ ቦታ ከምዝልእኽ፣ እዚ ክሳብ ዝኸውን ኣብ ውሑስ ቦታ ከምዘፅንሐኩም ፈሊጥኩም ኢድኩም ክትህቡን ካብ ዕላማ ዘይብሉ ሞት ክትድሕኑን ፃውዒት የቕርበለኩም።
ትግራይ ትዕወት!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንናይ ትማልን ሎምን ሰማእታትና!!
ቤት ፅሕፈት ህወሓት
ሰነ 2013 ዓ/ም
11/06/2021
ሽሾ መርዐዲ ፀላኢ ዝኾነ ፍሉይ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ Tigray Special Defense Force Most Watched June 11, 2021 M
----
ሽሾ መርዐዲ ፀላኢ ዝኾነ ፍሉይ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ Tigray Special Defense Force Most Watched June 11, 2021 M | Subscribe Lazana Network ላዛና ኔትወርክ |-----------------------------©Copyright: Lazana Network ላዛና ኔትወርክAny unauthorized use, copying, or distribution is stri...
04/06/2021
ብሕቡእ ካሜራ ዝትተሓዘ ሓደሽቲ ኣፅዋራት ፀላኢ ኣብ ከተማታት #ትግራይ | New War Makenzie in Cities
---
ብሕቡእ ካሜራ ዝትተሓዘ ሓደሽቲ ኣፅዋራት ፀላኢ ኣብ ከተማታት #ትግራይ | New #Enemies War Makenzie in #Tigray Cities Subscribe Lazana Network ላዛና ኔትወርክ |-----------------------------©Copyright: Lazana Network ላዛና ኔትወርክAny unauthorized use, copying, or distribution is strict...
02/06/2021
1 Hour Mixed All Music's of Tigrigna | ኩለን ደርፊታት ሓዲሽ ቓልሲ ካብ ሓራ መሬት ትግራይ | Most Watched Video
-------
1 Hour Mixed All Music's of #TDF Tigrigna | ኩለን ደርፊታት ሓዲሽ ቓልሲ ካብ ሓራ መሬት ትግራይ | Most Watched Video Subscribe Lazana Network ላዛና ኔትወርክ |-----------------------------©Copyright: Lazana Network ላዛና ኔትወርክAny unauthorized use, copying, or distribution is strict...
27/05/2021
🔥ኣብ ጉንበት 17, 2013 ዓ.ም🔥 ኩለን ጎደናታትን ገዛውት ንግድን ከተማ #መቐለ ፀጥ ኢለን ብዝገርም እንተኽብራ Tigray Fasting on Mekelle
-----
🔥ኣብ ጉንበት 17, 2013 ዓ.ም🔥 ኩለን ጎደናታትን ገዛውት ንግድን ከተማ #መቐለ ፀጥ ኢለን ብዝገርም እንተኽብራ Tigray Fasting on Mekelle Subscribe Lazana Network ላዛና ኔትወርክ |-----------------------------©Copyright: Lazana Network ላዛና ኔትወርክAny unauthorized use, copying, or distribution is strict...
27/05/2021
ፕሬዝዳንት #ሃገረ #ትግራይ ዶ/ር #ደብረፅዮን ቅድሚ 8 ወርሒ ዝበሎ ሓሳብ ስለምንታይ ፕሬዝዳንት #ባይደን ደጊምዎ? ደጋጊምና ክንርእዩ ዝግብእና ቪድዮ
------
ፕሬዝዳንት #ሃገረ #ትግራይ ዶ/ር #ደብረፅዮን ቅድሚ 8 ወርሒ ዝበሎ ሓሳብ ስለምንታይ ፕሬዝዳንት #ባይደን ደጊምዎ? ደጋጊምና ክንርእዩ ዝግብእና ቪድዮ Subscribe Lazana Network ላዛና ኔትወርክ |-----------------------------©Copyright: Lazana Network ላዛና ኔትወርክAny unauthorized use, copying, or distribution is strict...
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Telephone
Website
Address
1000