Grat Selus

Grat Selus

Share

Photos from Grat Selus 's post 18/01/2023

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ አምላኽ !
ተመስገን ዘይፈልጥ ሰባሪ እምኒ
ኣብ ሓደ ዓዲ እምኒ እንናሰበረ ዝናበር ሰብኣይ ነበረ ፥እዚ ሰብኣይ እምኒ ይፍሕር ይሰብር ተሰኪሙ ከኣ ይሸይጥ ብከምዚ እዩ ዝናበር ኔሩ ካልእ ዋላ ሓደ ኣይነበሮን ናብርኡ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ እዩ ኔሩ ፡ብዘለዎ ነገር ግን ኣመስጊኑ ኣይፈልጥን እዩ፡ ኩሉ ግዜ ናብርኡ ምስ ሃብታማት እዩ ዘነጻጽሮ ፡ኣታ ኣምላክ ኣለካ ኣነ እምኒ እንናሰበረኩ ክናበርሲ ትም ኢልካ ትርኢ ኣሎካ ፡ናብራይ ንታሕቲ የንቆልቁል ናብራ ሃብታማት ከኣ ኣብ ልዕሊ ገዛ ፐላሶ መኪና ኩሉ ምሉእ ጌርካ ሂብካዮም ፡ደቆም ብመኪና ናብ ትምህርቲ ይከዱ ዝበለጽ መግቢ ይምገቡ ዝተመርጸ ክዳን ይቐያይሩ ይኽደኑ እዚ ናተይ ናብራ ከመይ እዩ ፡ ደቀይ ቅያር ክዳን የብሎምን ዝምገብዎ መግቢ ውን ልሙድ ናይ ድኻታት መግቢ እዩ ክሳብ መዓስ እየ ከምዚ ኢለ ክነብር ኣቤት ንዓይስ ሰብ ኢልካ ዲካ ፈጢርካኒ ማለት እና በለ የማርር ነበረ ኩሉ ግዜ ስለ ዘማርር መሊእሉ ኣይፈልጥን እዩ፡ ኩሉ ግዜ ጭኑቅን ጉህይን ነበረ ተሓጊሱ ኣይፈልጥን እዩ ፡ሓንቲ መዓልቲ ውን ትኩን ተመስገን ኣምላክ ኢሉ ኣይፈልጥን ፡ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግን ከም ቀደሙ እምኒ ክፍልጽ ኢሉ ገስጊሱ ማስኡ ተሰኪሙ ናብ ሓደ ጎቦ ከደ ነቲ ከውሒ ክሰብሮ ኢሉ ምስ ጀመረ ምስባር ኣበዮ ኣታ ኣምላክ እንታይ ድየ ጌረካ ንዓይስ ፈጢርካኒ ዲኻ ማለት እናበለ ምምራሩ ጀመረ ተሃላሊኩ ምስ እምኒ ክራመጽ እግሩ ሃረሞ ኡይ በለ ቃንዛ ከቢድዎ ቁሩብ ድሓን ምስ ኮነ ከኣ ስርሑ ጀምረ እንደገና ኢዱ ተቀርጠመ ኣማረ ናብ ገዝኡ ከይዱ ኣብ ስእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ተንበርኪኩ ኣምሪሩ በኸየ ኦ ኣምላኸይ ንምታይ ኢካ ፈጢርካኒ ሃብታም ጌርካ ኣይፈጠርካንን ጽብቅ ስራሕ ከይሰርሕ ጽቡቅ ፍልጠት የብለይን እናበላ ኣማረረ ፡ደኪሙ ስለ ዝነበረ ክርትም ኢሉ ደቀሰ፡ሰበይቱ ድራሩ ሒዛትሉ መጸት እሞ ደቂሱ ጸንሓ ፡ግርም ይደቅስ ንድራሩ ዝተሓሰበ ንቁርሱ ይኸውን በለት ምኽንያቱ ድኽነት ስለ ዝነበሮም እያ ክትቁጥብ ደልያ፡ብድሕሪ እዚ እቲ ሰብኣይ ኣብ ህልም ዝበለ ድቃስ ስለዝነበረ ምምራሩ ቀጸለ ብሕልሚ ፡ ኣታ ኣምላኽ እንታይ ኔርዎ ሃፍታም ጌርካ እንተትፈጥረኒ ዝደለክዎ እንተትህበኒ እንዳበለ ኣብ ናይ ሃንቀውታ ምንዮት ይሕንብስ ነበረ፡ድሕሪ እዚ ናብ ዲቅ ዝበለ ሕልሚ ኣተወ ማሳ ተሰኪሙ ናብቲ ጎቦ ከይዱ ነቲ ኣቢዎ ዝነብረ ጎቦ በቲ ማሳ ጌሩ ሃርሞ እሞ ተሰባበረሉ እዋእ ትማሊ እንዶደኣ ኣይኣበየንን ሕጂ ደኣ ከመይ ኢሉ ተሰቢሩለይ ኢሉ ተሓጎሰ ብሕልሙ ምካኑ ኣይፈለጠን ዘሎ ፡ ምስ ተሰባበረሉ ካብቲ ጎቦ ዓቢ ወርቂ ረከበ ወይ ኣምላክ ስለ ዝተቋየቅኩ ዲካ ደኣ እዚ ኩሉ ሂብካኒ እሞ ጽብቅ ጌረ ኩቋየቆካ እየ በለ፡ሕጂ ውን ተመስገን ኣይበለን ነቲ ዝከበረ ወርቂ ሸይጡ ብሓደ ግዜ ሃብታም ኮነ ፡ንደቁ ዘድልዮም ኩሉ ገዝኣሎም መኪና ገዝኣሎም ክቡር ዝኮነ ክዳውንቲ ገዝኣሎም ከመይ ዝበለ ፐላሶ ገዚኡ ፡በቃ ዘሎ ኩሉ ነገር ገበረሎም ኣብቲ ዓዲ ሃብታም በዓል ጸጋ ኮነ ፡ናይቲ ሃገር ንጉስ ብከመይ ከምዚ ኮይኑ ኢሉ ንኽፈክጥ መጸዋዕታ ሰደደሉ፡ ኣፍ ልቡ ነፊሕ ብሃብቲ ተሰንጢቁ ናብ እንዳ ንጉስ ከደ እቶም ናይ ንጉስ ወተሃደራት ከኣ ኪድ ንንጉስ ክብሪ ሃብ በልዎ ፡መን ኣነ ከመይ ዝበልኩ ሃብታም በዓል ጸጋስ ንኸማይ ሰብ ክብሪ ክህብ ኢሉ ብትዕቢት ተወጠረ ሕጂ ውን ተመስገን ኣይበለን፡ወተሃደራት ንሱ ንፈልጥ ኢና ነገር ግን እዚ ኩሉ ሃብትካ የሕዲግና ኣብ እሱርቤት ከነእትወካ ንኽእል ኢና በልዎ ፡ሰብኣይ ሓሰበ እሞ ዓቅሚ ከምዘይብሉ ፈለጠ እሞ ተበሳጨወ ኮፍ ኢሉ ከኣ ኣታ ኣምላኽ ሕጂ ከኣ ናይ ንጉስ ጫማ ከተስዕመኒ ኢካ ኣነስ ሕጂ ፍጡርካ ድየ ማለት ፡ እንታይ ኣለዎ ሕጂስ ንጉስ ዘይትገብረኒ በለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ንጉስ ገበሮ ፡ሕጂ ውን ተመስገን ኣይበለን ግርም ሕጂ ነዚ ህዝቢ ኣብ እግረይ ክደፍኦ እየ ጾር ከኽብደሎም እየ በለ ፡ንዓይ ዘይሰግድ ዘይንብርከኽ ኩሉ ክቅተል ኣለዎ ኢሉ ኣዋጅ ኣወጀ ከምኡ ከኣ ገበረ ጨካን ንጉስ ኮነሎም፡ድሓር ግን ጩራ ናይ ጸሓይ ናብ ዓይኑ መጹ ወግኦ እሞ ንጸሓይ ከምዘይእዝዛ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ከምዝኮነት ተገንዘበ ፡ ድሓር ኣንታ ኣምላክ ካብ ንጉስ ጸሓይ እንዶ ኣይትበልጽን እንታይ ኣለዎ ጸሓይ ጌርካ ዘይትፈጥረኒ በለ ፡እግዚኣብሔር ከኣ ጸሓይ ገበሮ እቲ ሰባሪ እምኒ ጸሓይ ኮነ ፡ ሕጂ ግርም ከም ናይ ምድረ በዳ ነዚ ህዝቢ ብጸሓይ ከሕርሮ እየ በለ ተመስገን ኣይበለን፡ብድሕሪ እዚ ሓያል ጸሓይ ከነ ነቲ ህዝቢ ከኣ ኣቃጸሎ እቲ ሕዝቢ ኡይ እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ብጸሓይ ተቃጸልና እንዳበሉ ዋጭዋጭ ኮነ መዓት ወሪዱና መዓትካ ቀንጥጠል እናበሉ ተማህለሉ ናብ እግዚኣብሔር ጸለዩ፡ኣምላኽ ጸለቶም ሰሚሙ ነቲ ብርቱዕ ጸሓይ ብደመና ጋረደሎም ፡ብድሕሪ እዚ ደመና መጹ ንጸሓይ ጋረዳ እቲ ሰባሪ እምኒ ሕጂ ከኣ ተበሳጭወ ፡ኣየ እግዚኣብሔር ለካ ሃብታም ,ንጉስ, ጸሓይ እንተኮንኩ ካብ ደመና ኣይበልጽን እየ ደመና ግበረኒ በለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ደመና ገበሮ ፡ደመና ድሕሪ ምዃኑ ውን ተመስገን ኣይበለን ግርም ሕጂ ጸሓይ ዋላ እንተመጸት ኣይትኽልክለንን እያ ነዚ ሕዝቢ ሓያል ዝናብ ኮይነ መሬት ዕልቕልቕ ከብላ እየ ነዚ ሕዝቢ ከባሳጭዎ እየ በለ ሓይል ዝናብ ኮይኑ ነዛ መሬት ሕውስውስ ኣበላ ኣብ ከተማ ዘሎ ኩሉ ጽርግርግ ኣቢሉ ወዲኡ ናብ ሃገረሰብ (ገጠር) ከደ ኣብ በረኻ ምስ በጽሐ ዓበይቲ ኣኻውሕ ኣኽራናት ጎቦታት ምስብባር ኣበይዎ እንተሃረመ እንተሃረመ ኣቤሞ ሰባሪ እምኒ ተጨነቀ ፡ብድሕሪ እዚ ከምዚ በለ ከውሕ ካብ ደመናን ዝናብን ከምዝሕይል ተመልኪቱ ኦ እግዚኣብሔር ከውሒ ግበረኒ ኢሉ ለመነ፡ ነቲ ሰባሪ እምኒ እግዚኣብሔር ከውሒ ገበሮ ፡ካብ ሕጂ ኣነ እምኒ (ከውሒ) እየ ዝኮነ ንዓይ ዝቀርበኒ የለን በለ፡ዋላ ሃብታም ንጉስ ጸሓይ ዝናብ እንተመጸ ኣይናቃነቅን እየ በለ ፡ድሓር ካልእ ሓደ ሰባሪ እምኒ ሰብኣይ መጸ ዘረብኡ ከይወድአ ፡እቲ ሰባሪ እምኒ ማስኡ ጌሩ ነቲ ከውሒ ሃረሞ እሞ ክስበር ደለይ ፡እቲ ከውሒ እእእ እዚ ደኣ ክውደኣኒ እንድዩ በለ ፡ለካስ እቲ ዝዓበየ ሰባሪ እምኒ እዩ ካብ ሰባሪ እምኒ ዝዓቢ ነገር የለን በለ ፡ ኦ እግዚኣብሔር ከም ቀደመይ ሰባሪ እምኒ ግበረኒ ኢሉ ለመነ ፡እግዚኣብሔር ከኣ ሰባሪ እምኒ ገበሮ እሞ ፡ ማስኡ ተሰኪሙ ናብቲ ዓቢ ከውሒ ከይዱ ነቲ ከውሒ ዘቢጡ ሓደጎ እሞ ሰበይቱ ተንስእ ወጊሑ እዩ ቁርስካ ብላዕ ኢላ ኣተንሰኣቶ፡ተንሲኡ ከኣ ተመስገን ኣምላኸይ ተመስገን ዝኮነ ይኩን ንስካ እንተዘይብሉ ኩሉ ኮንቱ እዩ ፡ለካስ ሃብታም ዝጠዓመን ዝመቀረን ዝበልዕ ንስካ ምስትሕሉ እዩ ፡ንጉስ ኣብ ላዕሊ ዝፋን ዝቅመጥ ንስካ ምስትፈቅደሉ እዩ ፡ጸሓይን ዝናብን ዝስልጥኑ ንስካ ምስትህሉ እዩ እሞ ተመስገን በለ፡ለካስ ጎዲልኒ ዝነበረስ ናብራይ ኣይኮነን ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሔር ለካ ደቂ ሰባት ንጭነቅን ንባሳጮስ ንስኻ ምስ ትጎድለና እዩ በለ ሰባሪ እምኒ ፡ካብዚ ንመሃሮ ኩሉ ግዜ ኣብ ስእነት ይኩን ኣብ ርኽበት መመስገንቲ ክንኸውን ከምዘለና እያ ትምህረና እዛ ዛንታ ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወሓያል።
ምንጪ ትርጉም ኣምሓርኛ
ጸሓፊ ሰሎሞን ሃይለ
09/02/2015

Want your business to be the top-listed Realtor/realty Service in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Telephone

Website

Address

Addis Ababa