Sami Mario

Sami Mario

Share

10/24/2025

#እምነት - #ኣገዳሲ #መንፈሳዊ ልምዲ

ናይ ሎሚ ጥቕሲ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽ ዚመጽእ ዘበለ ኸም ዘሎን ነቶም ብትግሃት ዝደልይዎ ዓስቢ ከም ዚህቦን ኪኣምን ኣለዎ።” እብራውያን 11፡6 እምነት ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ልምድታት እዩ። ኣብ እብራውያን ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ፡ ምዕራፍ እምነት ተባሂላ እትፍለጥ፡ ኣብነታት እምነት፡ ሕመረት እምነትን ኣገዳስነት እምነትን ተዋሂቡና ኣሎ።

1. እምነት ዝተነጸረ

“እምነት ምርግጋጽ እቲ ተስፋ ዝግበረሉ ነገር፡ ምእማን ናይቲ ዘይተራእየ ነገር እዩ።” እብራውያን 11፡1

ብመሰረት እዚ ትርጉም እምነት እምነት መንፈሳዊ ሓቂ እንርድኣላ መንፈሳዊት ዓይንና እያ፣ ብመለኮታዊ ኣሰራርሓ እንርድኣላ። ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ክንርእዮ ዘይንኽእል መንፈሳዊ ዓለም ክውን ምዃኑ ርግጸኛታት እንኸውን ብእምነት እዩ።

2. ኣገዳስነት እምነት

ኣብ ፍቕዲ ሽዱሽተ እምነት ኣብ ርክብና ምስ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዋ ተነጊሩና ኣሎ፡ “ብዘይ እምነት ድማ ንኣምላኽ ከሐጉሶ ኣይከኣልን እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽ ዚመጽእ ዘበለ ኸም ዘሎ፡ ነቶም ብትግሃት ዝደልይዎ ድማ ከም ዚሽልም ኪኣምን ኣለዎ።” እብራውያን 11፡6 ንኣምላኽ ከነሐጉሶ እንኽእል ብእምነትን ብእምነት ጥራይ እዩ። ስለዚ እምነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ልምዲ እዩ።

3. ኣብነታት እምነት

እንታይነትን ኣገዳስነትን እምነት ድሕሪ ምርኣዩ እዚ ዝስዕብ ነዊሕ ዝርዝር ኣብነታት እምነት ኣብ እብራውያን 11 እዩ።እዚ ክፍሊ እዚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ኮይኑ ብዛዕባ እምነት ዘሎና ርድኢት ንምዕባይን ናይ እምነት ልምምድና ንምህብታምን እዩ። እምበኣር ንዝቕጽል ኣርብዓ መዓልታት ጎይታ እንተፈቒዱ ብህይወት እንተሃሊና ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ምዕራፍ ዝቐረቡ ጀጋኑ እምነት ከምኡ’ውን ካልኦት ጀጋኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕሳብ እምነትና ክዓቢ ክንጽሊ ኢና። ኣብዘን ኣርብዓ መዓልቲ፡ ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ “እምነትና ኣዕብዩ” ኢልና ንጽሊ።

ጸሎት
ኣቦና፡ እንታይነትን ኣገዳስነትን እምነት ብዝያዳ ክንርዳእ፡ ካብ ኣብነታት እምነት ክንመሃር ብጸጋኻ ሓግዘና። ኣሜን።

Sami Mario
24/10/2025

09/08/2025

#ምስቲ ጓሳና ምጉዓዝ

ካብ #ፍርሒ ናብ #ትብዓት

“ብርባርባ ጽላሎት ሞት እኳ እንተ ተመላለስኩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።” ዝበለ ዳዊት

እቲ ቃል ነቲ ናይ #ጓሳ ድምጺ #ኣምላኽ ክንስዕቦ ከለና፡ መንገድና ኩሉ ግዜ ልሙጽ ከም ዘይከውን ይነግረና። ነዚ እዩ #ጐይታና ኢየሱስ “ኣብ #ዓለም ጸበባ ክትመጸኩም” ዝበለ። ግን ዋላ በቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጎላጉል ጽላሎት ሞት ክንመላለስ ከሎና #ንፍርሒ ንምስዓር ዝሕግዘና ሓቂ እውን ነጊሩና እዩ።

1. #ጓሳና ተዓዋቲ እዩ።

#ጎይታና ኣብ ዓለም መከራ #ክህልወና እዩ ምስ በለ “ኣጆኹም ንዓለም ስዒረያ” ብምባል ንፍርሒ ንምስዓር #ቀዳማይ መፍትሕ ይህበና። ብርግጽ #ጎይታና ንሞት ስዒሩ ተንሲኡ እዩ፡ መፍትሕ #ሞትን ሲኦልን ዝሓዘ ጐይታ ስለ ዝኾነ #ክንፈርሕ የብልናን።

2. #ጓሳና ምሳና ኣሎ።

#እግዚኣብሄር ምሳና ዘሎ #ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣይትፍራሕ ይብለና። ኣምላኽና ኣይትፍራሕ ክብለና ከሎ እቲ ሓቂ ግን ንሱ ፈጺሙ ዘይገድፈና #ኣምላኽ ምዃኑ ወትሩ ምሳና ዝነብር እዩ። “እግዚኣብሄር ባዕሉ #ቅድሜኻ ይኸይድ #ምሳኻውን ኪኸውን እዩ፡ ፈጺሙ ኣይኪሓድገካን ኣይክሓድገካን እዩ፡ #ኣይትፍራሕ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ።” ዘዳ 31፡8 ምሳና ጥራይ ዘይኮነስ ፈጺሙ ከም ዘይሓድገና እውን ንዘክር።

3. #ጓሳና እቲ ምእንታና ሕይወቱ ዝሃበ ሕያዋይ ጓሳ እዩ።

ጓሳና ኣብ ዘጋጥመና ዘፍርሕ ኩነታት ቅድሜና ዝኸይድ ሕያዋይ ጓሳ፡ #ምእንታና ህይወቱ ክሳብ ዝህብ ዘፍቅረና ሕያዋይ ጓሳ፡ ፍቕሩ ድማ ፈጺሙ ኣይቅየርን እዩ።

'“እቲ ሕያዋይ #ጓሳ ኣነ እየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ክንዲ ኣባጊዕ ህይወቱ የሕልፍ፤ ' ዮሃ 10፡11

ስለዚ ጓሳና ተዓዋቲ፣ ምሳና፣ ፈቃርን እዩ፣ ምእንቲ ክንእውጅ፤

“ #እግዚኣብሄር ምሳይ ኣሎ፡ ኣይፈርህን እየ፡ ሰብ እንታይ ክገብረለይ ይኽእል፧” መዝሙር ዳዊት 118፡6

“ኣብ #ኣምላኽ እውከል፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብ እንታይ ክገብረለይ ይኽእል፧” መዝሙር ዳዊት 56፡11

“እንሆ፡ #ኣምላኽ ምድሓነይ እዩ፡ ክውከል እየ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፡ ንሱ ድማ ምድሓነይ ኰነ።”
#እግዚኣብሄር ብሰለስተ ቀንዲ ምኽንያታት ከይንፈርሕ ከም ዝብለና ክንዝክር ይግባእ። “ ኢሳይያስ 12፡2

ጸሎት

ኣቦና #ብዘይ ገድስ ዘፍርሕ ኩነታት ብዘይ ገድስ ንስኻ ተዓዋቲና፣ ኩሉ ግዜ ህልውና፣ ኣዝዩ ፈቃር #ጓሳና ምዃንካ ፈሊጥካ፣ ካብ ፍርሒ ናብ #ትብዓት ክንሰጋገር ክትሕግዘና ንጽሊ።
ኣሜን።
Sami Mario
26 September /2025

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Toronto?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Telephone

Website

Address

Toronto, ON