Tigrigna Language Development

Tigrigna Language Development

Share

06/24/2024

ትግርኛ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሕ
ኣርኣያ ካሳ
እዚ ዚስዕብ፡ ብምድግጋም ዘቕርቦ ቈጨምጨም እዩ። ዕላማኡ፡ ሓበሬታ ንሓደስቲ ተኸተልቲ ጽሑፋተይ ኮይኑ፡ ንነባራት ዚኸውን እውን ሓዲሽ ሓበሬታ ዚሕውስ እዩ። መንቀሊ እዚ ሃጠው-ቀጠው Bokretsion Guelay፡ “ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ 2010 ዝጀመረ ዘተታት ምንባሩ ኣብ Arayakt.wordpress.com ገጽ ዓምዲ ጽሑፍኩም ዝሰፈረ 'ለኩም። ምዕባሊኡ ኣበይ በጽሐ፧” ዚብል ሕትቶ እዩ።

ብሓጺሩ ንምምላስ፡ ዕጫ እቶም ካብ 40ታት ጀሚሮም፡ ኣብ መራኸቢ-ብዙሕን ዋዕላታትን በብእዋኑ ዝልዓሉ ዝነበሩ ዛዕባታት ትግርኛ በጺሒዎ፡ ነበረ ኮይኑ ኣሎ። ዕማም ምምዕባል ደረጃኡ ዝሓለወ ትግርኛ፡ ብይጽንሓለይ ዝመሓለፈ ዘሎ ዕዳ እዩ። ጋዜጣ፡ ማዕከን ሓበሬታ እምበር ባይታ ምምዕባል ቋንቋ ኣይኮነን።
ብዛዕባ እተን ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ንሒዶት ዓመታት ዝተጻሕፋ፡ ኣብ “2012 – 2022፡ ዓሰርተ ዓመታት ብዘይምቍራጽ ኣብ ድህሰሳ ምምዕባል ትግርኛ” ዚብል ኣርእስቲ ሓጺር ገጋምጋም ጽሒፈለን እየ። ብድሕሪኡ (2023)፡ “ሰዋስው፡ ‘ዓው’ልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ’ ልህጃዊ እምነት የብሉን” ብዚብል ኣርእሲቲ፡ ኣብ ጸገምን ፍታሕን ምምዕባል ደረጃኡ ዚሓለወ ትግርኛ ጽሒፈ እየ። እዚ ዳሕረዋይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዚካየድ ትምህርቲ ትግርኛ እውን ዚድህስስ እዩ። ኣብኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፡ ብዲግሪ ኮነ ብኻልእ መንገዲ ዚህባኦ ምስክረነት ብቕዓት ትግርኛ፡ ኣብ ትምህርቲ ሕጊ ጽሕፈት፡ ሰዋስው፡ ዘይምርኰስ ምዃኑ እእምት እየ፣ ይዅን እምበር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ከም ዘለዎ ግን እጠቅስ እየ።

ደረጃኡ ዝሓለወ ቋንቋ ኪምብዕልን ኪዕቀብን፡ ብምርምርም ዚምራሕ ትካል ትምህርቲ ኪህልዉ፡ ኣቓልቦ ‘ተመራመርቲ’ ምምዕባል ትግርኛ ንምስሓብ፡ ብዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ርእይቶ ሂበ እየ። ኣብ ኣርእስቲ ኣትኪሉ ምርምራዊ ስርሓቱ ዜቕርብ ግን ኣይረኸብኩን። ሒዶት ካብ እቶም ኣርእስቲ ቈጨምጭማት፤ “ቍውም-ነገር ገዲፍካ፡ ጓል-ነገር፡ ደርደር”፡ “ካብ ብወረ፡ ብእተነጸረ”፡ “ትግርኛ ንኵኹላዕ፡ ካብ ዓንኬላዊ ነግሒ ይጻእ”፡ “ተራ ተስማዕቲ” “እንክንትርጕም ከይንኣቱ ኣብ ህጉም”፡ “ኣነን ሓጺሩኒ ‘ብል፡ እሱ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ዚብሉ ይርከብዎም።

ኣብ ዕማም ምርምር እውን፡ ሓባራዊ ርድኢት ንኽህልው፡ ተመራማሪ ዚጥቀመሎም ስነ-ቓላት፡ መግለጺ ኪህበሎም ይግባእ። ሓባራዊ ርድኢት ስነ-ቓላት እንድሕር ዘየሎ፡ ዘይምርድዳእ ዝተዋህቡ መግለጺታት ኬኸትል ይእል እዩ። ኣብ ሰዋስው ዝጥቀመሎም ስነ-ቓላት ብዝርዝር አስፊረ እየ። ኣብ’ዚ፡ ንሓበራዊ ርድኢት፡ መግለጺ ምርምርን ትምህርቲን እንሆ፤

ምርምር (research)፡ ውጹእ ቅጥዒ ዘለዎ፡ ኣርእስቱ ዝሓለወ፡ ንሕሉፍን ህልውን ኵነታት ብመጐት ብምድህሳስ ኣብ ሓደ ሓድሽ ድማዳመ ዚበጽሕ ወይ ንዝነበረ ንምርጓድ ዚቐርብ ጽሑፍ እዩ። ዝተበጽሐ ድምዳመ፡ ሓበራዊ ፍልጠት ብዘለዎም ተመራራመርቲ ይድህሰስ። ውጽኢቱ ኣብ ትምህርቲ የገልግል። በዚ ከኣ ቅድመ-ኵነት ትምህርቲ ምርምር ይኸውን።

ትምህርቲ (education/lesson/teaching): ውጽኢት ምርምር ዝኾነ፡ ብስርዓተ-ትምህርቲ ዝምራሕ፡ ብዕድመ፡ ብደረጃ፡ ብቦታ ዝድረት እዩ። ብወፈራ፡ ንዅሉ ኢልካ ዚቐርብ ሓደ ዓይነት ቅዲ-ትምህርቲ የለን።

ኣብ ውጽኢት ምርምር ዘይተምርኮሰ፡ ብክእለት-መደረ (oratory) ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ስብከት ይኸውን። በብኣማኒኡ ክኣ ስዓብቲ ይህልውዎ፣ ኣብ “ናተይ ናታክ” ተሸሚሙ እውን ናብ ቈይቚ ኬምርሕ ይኽእል እዩ።

ምብህሃል
ውጽኢት ምርምር እተካፍለሉ ኣገባብ ወይ ምብህሃል እውን ሓባራዊ ርድኢት ኪህልው ይግባእ። ዝተፈላለዩ ምብህሃላት ኣለው። ገለ ንምጥቃስ፤
ዘተ/ምይይጥ (Discussion/dialogue/discourse)፣ ክትዕ (debating)፣ ፍኑው-ክትዕ (argument)፣ ወቐሳዊ ክትዕ (Diatribe/polemics)፣ ሰሚናር፡ ኣስተምህሮ (lecture)፣ መደረ (speech delivery)፣ ዕላል (conversation)። መግለጺ ናይ ገለ ካብ’ዚኦም እንሆ፤

(ሀ) #ዘተ፡ ብምድላው ኮነ ብፍኑው፡ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ዚካየድ ምምልላስ እዩ። ኣብ ዘተ፡ ዚሰማማዕን ዚጻራሪን ሓሳባት ይፈስሱ እዮም። ኣርእስቲ ዛዕባ ንምቕያር፡ ሓባራዊ ርድኢት ይሓትት። ኣብ መወዳእታ፡ ሓባራዊ ድምዳማ ኪርከብን ዘይክርከብን ይኽእል። ኣብ ዘተ ስዓሪን ተስዓሪን የልቦን፣ ዕላማ ዘተ ምምህሃር እዩ። ተዛተይቲ ተመጣጣኒ ፍልጠት እቲ ዛዕባ ኪህልዎም ይግባእ።
(ለ) #ክትዕ፡ ስሩዕ፡ ቅድመ-ምድላው ዘለዎ፡ ናቱ ቅጥዕታትን መንጐኛ ዘለዎ ምብህሃል እዩ። ኣብ ክትዕ፡ ክልተ ተጻይ ዛዕባታት ዚቐርብሉ እዩ። ዕላማ ክትዕ ምስዓር እዩ። ስዓሪ ብመንጐኛ ይውሰን። እዚ ኣብ መንጐ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ኣብ ኣብያተ ቤት-ፍርድን ዚኽሰት ምብህሃል እዩ።
(ሐ) ፡ ተጻይነት ክትዓትን ምክሽማሻትን ዝዓብለሎ፡ ብምረትን ብምቍንጻብን ዚቐርብ እዩ። ኣብ እምነት ዚምርኰስ ኮይኑ፡ ጭብጢን ሓቅነትን ዋጋ ዜብሎም፡ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዜስምዕ ምብህሃል ይኸውን።
(መ) ፡ ቀያዲ ቅጥዒ ዘይብሉ፡ ብዘይመደብ ዚቐርብ፡ ኣብ ኣርእስቲ ዘይትክል ምብህሃል እዩ። ፍንው-ክትዕ፡ ናብ ተጻይነት፡ ህልኽ፡ ቈይቊ ዜመርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መዕለቢ ዘይበጽሕ ብምድግጋም ዚልዓል ምብህሃል እዩ።

--ኣርኣያ

ቅጽል – መበል-፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽል 03/15/2023

https://wp.me/p3JCwq-Rs

ቅጽል – መበል-፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽል ቅጽል – መበል-፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፱ይ-ክፋል፡  ኣዳራጊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፲ይ-ክፋል ዘይውሱን ቅጽል ይቕርብ። ዘይውሱን ቅጽል ንጹር ሓበሬታ እ.....

ቅጽል – ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽል 12/02/2022

ቅጽል - ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፭ይ-ክፋል፡ ዋንነታዊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፮ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ዓቐናዊ ቅጽል ይቕርብ። ዓቐናዊ ቅጽል ዓቐናዊ ቅጽል ዚብሃል ንብዝሒ ናይ ሓደ ነገር፡ ንስም ወይ ንክ.ስም ብፍቕዲ ወይ ብደረጃ ዜመልክት ወይ ዚገልጽ ክፍሊ ቅጽል እዩ። መጠናዊ ቅጽል እውን ይብሃል እዩ። ዓቐናዊ ቅጽል፡ ክንደይ ወይ መበል ክንደይ ንዝብል ሕትቶ ይምልስ። መዘክር፡ ንብዝሒ ዚገልጹ ግሲ ዚምንጮም፡ ብዙሓት ቃላት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዓቀነ፡ መጠነ፡ ለክዐ፡ ሰፈረ። ካብ’ዚኣቶም፡ “ዓቀነ” ዚሰፍሐ ትርጕም ይሓቍፍ። በዚ ከኣ “ዓቐናዊ” ከም ስነ-ቓል ተመሪጹ ኣሎ። ስነ-ቓል ንሓደ ኣምር ዚውክል ኮይኑ ግድን መዝገበ-ቓላዊ ትርጕሙ ዜንጸባርቕ ኪኸውን የብሉን። ንኣብነት፡ መግለጺ ስነ-ቓል “ሰዋስው”ን መዝገገ-ቓላዊ ትርጕም “ሰዋስው”ን ንሕደ ነገር ኣይውክሉን፡ ኣይገልጹን እዮም።...

ቅጽል – ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽል ቅጽል – ፮ይ-ክፋል ዓቐናዊ ቅጽልኣርኣያ ካሳ ኣብ ዝሓለፈ ፭ይ-ክፋል፡  ዋንነታዊ ቅጽል ተዋሂቡ እዩ። ኣብ’ዚ ፮ይ-ክፋል ካብ ክፍሊታት ቅጽል፡ ዓቐናዊ ቅጽል ይቕርብ። ዓቐናዊ ቅጽል ዓቐ.....

Want your school to be the top-listed School/college in Calgary?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Address

Calgary, AB